ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣኼባ ሰላምን ጸጥታን ሕ/ኣፍሪቃን ሕ/ሃ ይቓናዕ'ሎ


ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃን ንተልእኾ ዓቃብ ሰላም ኣብቲ ኣህጉር ዘድልይ ገንዘብ ብዝምልከት ካብ ትማሊ ሓሙስ 6 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሮም ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይዘራረቡ ኣለው።

1.4 ቢልዮን ህዝቢ ንዘለወን 55 ኣባል ሃገራት ዝሓቆፈ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ስራሕቲ ምዕቃብ ሰላም ንምድጋፍ ዘኽእሎ ዓቅሚ ገንዘብ ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ስለዘይረኸበ ከም ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ዝኣምሰሉ መሻርክቲ ኣካላት ሓገዝ ክረኽብ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚሽነር ጉዳያት ፖለቲካ፣ ሰላምን ድሕነትን ዝኾኑ ባንኮሌ ኣደኦዬ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ንዘሎ ናይ ክልተ መዓልታት ኣኼባ ክኸፍቱ ከለው ኣብ ዘስምዕዎ መደረ "ሃገራት እኹል: ተዓጻጻፊን ዝግምት፣ ነባሪን ምንጪ ፋይናንስ ከመይ ከምዝርከብ ክሓስባሉ ይግባእ" ከምዝበሉ ትካል ዜና ፈረንሳ(ኤ.ኤፍ.ፒ) ጠቂሱ ኣሎ።

እቲ ኣጀንዳ’ዚ፣ ኣብ ርእሲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ጸኒሑ እዩ። ንኤ.ኤፍ.ፒ ርእይቶ ዝሃቡ ዲፕሎማት "ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ስራሕቲ ምዕቃብ ሰላም ኣብ’ታ ኣህጉር ብኣስገዳድ ኣበርክቶ ክድገፍ ኣለዎ ባሃልቲ ከምዝኾና" ይሕብሩ።

ቅዳሕ’ቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ውሳነ ኣብ ሞንጎ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ክዝተየሉ ከምዝጸንሐ፣ እንተኾነ ብሰንኪ ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘሎ ዘይምቅዳው ክደናጓይ ከምዝኻኣለን’ውን እቲ ዜና ገሊጹ።

ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ተወካሊ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ፓርፈይት ኦናንጋ ኣንያንጋ ብወገኖም እቲ ይቅጽል ዘሎ ልዝብ፣ ናብ ሓድሽ ስምምዕ በጀታዊ ድጋፍ ክበጽሕ እዩ ዝብል ተስፋ ከምዘለዎም ጠቂሶም እዮም።

ንሶም ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፣ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጎንጺ ዝረኣየሉ ከባቢታት ንዝፍጽሞም ወፍሪታት ከመይ ገይርካ ምምሕያሽ ከምዝካኣል ንዝብል ዝሓለፈ ሓምለ ንዘስምዕዎ መደረ ብምጥቃስ "ብዛዕባ ሰላም ኣብ ዝሓንጸጽዎ ኣጀንዳ፣ ጊዚያዊ ስግኣታት፣ ኣብ’ታ ኣህጉር ይቀላቀሉ ዘለው ከበድቲ ብድሆታት ሰላምን ጸጥታን፣ ብመሻርኽቲ ኣካላት ሓድሽ ኣገባብ ዝጠልብ ኮይኖም ከምዘለው ንጹር ገይሮም እዮም" ይብሉ ።

እንተኾነ፣ ብገለ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዝቃላሕ ስክፍታታት ሓደ፣ እንታይ ዓይነት ወፍሪታት እዮም በጀታዊ ደገፍ ክረኽቡ ዝኽእሉ? ከምኡ’ውን ንዝተፈቀደ በጀት ዘጠፋፍኡ’ከ ከመይ ገይርካ እዩ ብገበን ክሕተቱ ዘለዎም? ዝብል እዩ/።

ናይ’ዚ ወርሒ’ዚ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ብራዚል ሰርጂዮ ፍራንካ ዳነሲ ክዛረቡ ከለው ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣገዳሲ መሻርኽቲ ከምዝኾነ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ጎንጺታት ኣብ ምልላይ ሓዊሱ፣ ንስግኣት ሰላም ኣብ ምእላይ ናይ ገዛእ ባዕሉ ኣጠማምታ ከበርክት ዝኽእል ትካል’ዩ ኢሎም።

ክልቲኦም ኣካላት፣ ንኩነተ ጸጥታ ኣብ’ታ ኣህጉር፣ ብፍላይ፣ ኣብ ውግእ ዝህውኻ ዘሎ ሱዳን፣ ኣብ ዞባ ሳሕል፣ ኣብ ሶማልን ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ንዘሎ ኩነታት’ውን ከምዝዝትይሉ ንዲፕሎማት ዝጠቀሰ አጃንስ ፍራንስ ፕረስ ጸብጺቡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG