ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣፍሪቃ ንመራሕቲ ቡሩንዲ ኣጠንቂቁ


ተቀናቀንቲ ወገናት ቡሩንዲ፣ ኣብ’ቲ ዝመጽእ ወርሒ ዝሳለጥ መድረኽ ሰላም እንተዘይተሳቲፎም፣ እገዳ ከንብር’የ ክብል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣጠንቂቁ።

ኮምሽነር’ቲ ሕብረት እንኮሳዛና ድላማኒ-ዙማ፣ ንመስርሕ ጻዕሪ ሰላም ቡሩንዳዊያን ዘተዓናቅፍ ዝኾነ ወገን፣ ብእገዳ ክቕጻዕ’ዩ ኢለን።

ወከልቲ ክልቲኦም ወገናት ድሕሪ ሰሙን ኣብ ኣሩሻ ታንዛንያ ተራኺቦም፣ ንቡሩንዲ ካብ ኣብ ህውከት ኣእትዩዋ ንዘሎ ጸገም ፖለቲካዊ ፍታሕ ንክረኽቡ ክዘራረቡ መደብ ኣሎ።

እንተኾነ መንግስቲን ተቃወምቲን ንጸገሞም ብከመይ ከምዝፈትሕዎ ኣብ ምርድዳእ ኣይበጽሑን፣ መንግስቲ ብወገኑ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ንሓለዋ ህዝቢ ኢሉ 5000 ዓቀብቲ ሰላም ከዋፍር’የ ምባሉ ነጺግዎ’ሎ።

ሎሚ ብዛዕብኡ መግለጺ ዝሃቡ ፕረዚደንት ፕዬሪ ንኩሪንዚዛ ‘ ዓቃብቲ ሰላም ብዘይ ኣዎንታ ቡሩንዲ እንተኣትዮም፣ ከም መጥቃዕቲ ስለዝቁጸር፣ ግቡእ ግብረ-መልሲ ክረኽቡ’ዮም’ ኢሎም’ለው።

ቅድም ኢሎም ርእይቶ ዝሃቡ መንግስታዊ ወሃቢ-ቃል ብወገኖም ‘እቶም ዓቀብቲ ሰላም፣ ማዕረ ጎበጥቲ ክራኣዩ’ዮም’ ከምዝበሉ ዝዝከር’ዩ።

XS
SM
MD
LG