ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ተጀሚሩ


African Union Logo
African Union Logo

መበል 23 ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብ ሪፓብሊክ ኢኳተሪያል ግኒ ተጀሚሩ።መሪሕ ቃል እቲ ጉባኤ ናይ ሕርሻን ምግብን ዓመት ዝብል እዩ።ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ብናይጀሪያ ኣቢሎም ዝገሹ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣንፃር ሽበራ ይካየድ ዘሎ ኵናት ይዕወት’ዃ እንተሃለወ መወልቲ ግብረ ሽበራ ካብታ ኣህጉር ወፃኢ ስለዝኾኑ መወልቱ ባንኪ ሒሳቦም ንከይንቀሳቐ ሓባራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ኣለዎም ኢሎም።

ኣብቲ ጉባኤ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪሙንን ናይቲ ጉባኤ ናይ ኽብሪ ጋሻ ዝኾኑ ናይ ስፔይን ፕሬዝዳንት ማሪያኖ ራሃዊ ብሬይምን መደረ ከስምዑ እዮም።

እቶም መራሕቲ ካብ መንጎ ዝመኽሩሎም ኣጀንዳታት ሓደ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ትፅቢት ዝግበረሉ ሓባራዊ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካን ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማን እዩ።

ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ናይጀሪያ ናይ ክልተ ማዕልታት ዑደት ፈፂሞም።ትማሊ ረቡዕ ምስ ናይ ናይጀሪያ ፕሬዝዳንት ጉድላክ ጆናታን ብሓባር ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሃገራት ኣፍሪካ ግዳይ መጥቓዕታት ሽብር ዝኾና ዘለዋ ካብታ ኣህጉር ወፃኢ ብዝውሕዝ ገንዘብ ስለዝኾነ ኣብዙሪያ ዓለም ዝርከቡ መራሕቲ ንሓደጋ ዝተቓልዓ ሃገራት ሒሳብ ባንኪ እቶም ፈፀመቲ ከይንቀሳቐስ ሓባራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ኣለዎም ኢሎም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርክባት ክልቲአን ሃገራት፣ስግኣት ሽበራን ካልኦትን ዝምልከቱ ዛዕባትታ ኣብዝሃብዎ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለፂ እናዓበየ ይኸድ ዘሎ መጥቓዕቲ ቦምብ ዓርሰ ቕትለታዊያን ኣብ ቅድሚኦም ካብ ዘሎ ናይ ምጥፋእ ሓቂ ንምህዳም ኣሸበርቲ ጉጅለታት ዘካይድዎ ተስፋ ናይ ምቑራፅ ስጉምቲ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም።

ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዋና ከተማ ናይጀሪያ ኣብ ዝርከብ ዓብዪ ናይ ዕዳጋ ማእኸል ቦምብ ተተኵሱ እንተውሓደ 21 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 52 ድማ ምቑሳሎም ፖሊስ ናይጀሪያ ገሊፁ እዩ።

ሽብር ዝኸሰረ ኣይዲዮሎጂ እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣንፃር ግብረ ሽበራ ይካየድ ዘሎ ኵናት ብዝበለፅ እናተሰርሐ ስለዝኾነ ዓርሰቕተለታዊን ብቐቢፀ ተስፋ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ ይፍፅሙ ኣለው ኢሎም።

ናይጀሪያን ኢትዮጵያን ኣንፃር ሽበራን ኣኽራርነት ብቐረባ ሓቢረን ክሰርሓ ኣለወን እውን ኢሎም።

‘’ብሽብር ኣዚና ንጥቃዕ ዘለና ኣብታ ኣህጉር ንነብር ዘለና ስለዝኾንና ንመስርሕ ፍታሕ እውን መራሕቲ ክንኸውን ኣለና’’ኢሎም።

ናይ ናይጀሪያ ፕሬዝዳንት ጉድላክ ጆናታን ብወገኖም ናይጀሪያ ኣንፃር ግብረ ሽበራ ኣብ እተካይዶ ውግእ ካብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ትምሃሮ ኣሎ ኢሎም።ኣፍሪካዊያን ኢንቨስተራት ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ኣብታ ኣህጉር መዋእሎም ከፍሱ እውን ፀዊዖም።

መጠን ርክብ ንግዲ ክልቲአን ሃገራት ዝተሓተ እዩ ዝበሉ ፕሬዝዳንት ጆናታን ኣብ ሕርሻን ሓይሊ ኤልክትሪክብ ምትሕብባር የድሊ እዩ ኢሎም።

ናይጀሪያዊያን ነጋዶ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሕርሻን ማዕድንን ኢንቨስት ይገብሩ ምህላዎም ዘተባብዕ እዩ ዝበሉ ፕሬዝዳንት ጆናታን ኢትዮጵያዊያን ሰብ ሃፍቲ እውን ናብ ናይጀሪያ መፂኦም ኣብ ሕርሻን ነዳዲን ክሳተፉ ፀዊዖም ኣለው።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ብኣል-ሸባብ ፣ኣብ ማሊን ሳሕልን ብናይ ማግረብ ኣል-ቃይዳ ኣብ ናይጀሪያ ድማ ብቦኮ ሓራም ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ይፍፀሙ ንዘለው መጥቓዕትታት ሽበራ ክልቲኦም መራሕቲ ኮኒኖምዎ።

ብኻሊእ ዜና ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንስግታት ባን ኪሙን ትማሊ ኣብ ናይጀሪያ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ቦምብ ብምኹናን ንስድራ ግዳያት ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።ኣብታ ሃገር ብኢስይዎ ዘሎ ህውከት እውን ብዓሚቕ ከምዝተሓሳሰቦም ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG