ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩነታት ሊብያ ዘተሓሳስብ’ዩ ክብሉ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ገሊጾም


ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰላምን ደሕንነትን ሕብረት ኣፍሪቃ እስማዒል ቸሩጉኡይ
ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰላምን ደሕንነትን ሕብረት ኣፍሪቃ እስማዒል ቸሩጉኡይ

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰላምን ደሕንነትን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሊቢያ ዘሎ ኩነታት ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ፤መንግስቲ እታ ሃገር ንመሰረታዊ ናብራ ህዝቢ ከማልእ ኣይክኣለን ኢሎም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ሶሉስ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃቡ ኮሚሽንር ኮሚሽን ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር እስማዒል ቸሩጉኡይ ሊቢያ እትርከበሉ ኩነታት ንኩላትና ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ ኢሎም።

“መንግስቲ ሊቢያ ንህዝቢ መሰረታዊ ዝኾኑ ኣገልግሎታት ክህብ ኣይክኣለን።ኣብዛ እንዘራረበላ ሰዓት ኣብ ሊቢያ ቅልውላው ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣሎ።ናይ ሕክምናን ካልኦትን ኣገልግሎታት የለን።እዚ ነቲ ዘሎ ኩነታት ዘጋድድን ፍታሕ ንምርካብ እውን ዘጸግም እዩ።”

ሕብረት ኣፍሪቃ ፀገማት ሊቢያ ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ስራሓት ይሰርሕ ከምዘሎ እቶም ኮሚሽነር ብምግላፅ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሊቢያ ዝለዓለ ኮሚቴ ብምጥያሽ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ወሲኑ’ሎ ኢሎም።

እቶም ኮሚሽን ኮሚሽነር ኣብ ሊቢያ ንኹሉ ዝሓቖፈ መንግስቲ ናይ ምምስራት ኣገዳስነት እውን ኣፅንኦት ሂቦምሉ ኣለው።

“ንኹሉ ዝሓቖፈ መንግስቲ ወይ ምምሕዳር ምፍጣርን እዚ ምምሕዳር ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ተቐባልነት ክረክብን የድሊ።እቲ ምምሕዳር ምስ ደሕንነት ዝተኣሳሰሩ ፀገማት ጥራሕ ከይኮነስ ልምዓት ሓዊሱ ንድልየታት ህዝቢ ሊቢያ ዝምልስ እውን ክኸውን ኣለዎ።”

ኣምባሳደር እስማዒል ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ኣብ ማእኸላይ ኣፍሪቃ፣ኣብ ሶማልን ኣብ ዓበይቲ ቀላያትን ዝርኣዩ ናይ ሰላምን ደሕንነትን ፈተናታት ብምዝርዛር ገለ ሃገራት ዘወፍይኦ ኣበርኽቶ ብምዝኽኻር ዘተኣማምን ሰላም፣ምርግጋእን ብልፅግናን ንምርግጋፅ ዓለምለኸ ምትሕብባር ክሕይል ፀዊዖም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና እቲ ጉባኤ መራሕቲ ንናይ ቻድ ሚኒስትር ወፃኢ ሙሳ ፋኪሙሃማት ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ንክኾኑ መሪፁዎም ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Recommended

XS
SM
MD
LG