ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰላምን ፀጥታን ኣፍሪቃ መዘራረቢ ይኸውን‘ሎ


AU
AU
ስሩዕ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ድሕሪ ትሻዓተ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝጅምር ተገሊፁ።ቀንዲ ኣጀንዳ - ጉዳይ ፀጥታን ሰላምን‘ታ ኣህጉር ከምዝኾን ተፈሊጡ።እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ ደቡብ ሱዳን ገበን ኲናትን ሰብኣዊነትን ተፈፂሙ ይኸውን‘ዩ ኢሎም ባዓል-ስልጣን ሕ/ሃ።

ቀንዲ ጭብጢ ኣኼባ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ”ሕርሻ ኣፍሪቃ ንሓባራዊ ምዕባለ፣ምሕዩሽ መነባብሮን ዘየቋርፅ ዕብየትን” ዝብል‘ዩ ኢሎም ዋና ፀሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ዥየን እንፋሶኒ።

እንተኾነ ሎም‘ውን ቀዲሙ ተሰሪዑ ዘሎ ኣጀንዳ እቶም ዝእከቡ መራሕቲ ጉዳይ ፀጥታን ሰላምን‘ታ ኣህጉር‘ዩ ይብሉ እቶም ዋና ፀሓፊ።

”ብዘይጥርጥር ሰላምን ፀጥታን ቀዲሙ ዝተሰርዐ ኮይኑ‘ሎ።ካብ ሞንጎኦም ቅልውላው ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ፣ደቡብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ክኾኑ‘ዮም” ኢሎም ዥየን እንፋሶኒ።

ድሕሪ‘ቲ ዓመታዊ ኣኼባ ነተን ካብ ቅልውላውን ጎንፅን ዝገላገላ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምሕጋዝ ናይ ገንዘብ መተኣኻኸቢ ስነ-ስርዓት ከምዝህሉ‘ውን እቶም ዋና ፀሓፊ ገሊፆም።

ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ካልእ ዝዘራረብሉ ኣጀንዳ ኣብ‘ዘን ዝቅፅላ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ‘ታ ኣህጉር ዝትግበር ቁጠባዊ ስትራተጂ‘ዩ።

ኣብ ናይ ሎም-ዘበን ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ክብሪ ጋሻ ዝኾና ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ፓርክ ጉዌን ሃይስ’የን።ከምኡውን ፕረዚድንት ፍልስጤማውያንን፣ዋና ፀሓፊ ሊግ ዓረብን‘ውን ኣብ‘ቲ ኣኼባ ክርከቡ‘ዮም ይብል መለሳካቸው ኣምሃ ዝላኣኾ ሪፖርት።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ‘ቲ ኣሻሓት ሰባት ዝተቀትልሉ ግጭት ደቡብ ሱዳን ምናልባሽ ገበን ኲናትን ሰብኣዊነትን ተፈፂሙ ክኸውን ይኽእል‘ዩ ኢሎም ባዓል-ስልጣን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ።

ኢቫን ሲሞኖቭች፣ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ’ዮም፣ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዑደት ድሕሪ ምፍፃሞም ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ፣ ዝተዓዘብዎ ኩነታት ኣዝዩ ዘሻቅልን፣ከምቅትለት፣ከየፃረኻ ምርሻን፣ፆታዊ መግሰስቲ፣ምብራዕ ኣባይቲ፣ስርቂን ምጥቃም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ዝብሉ መግሃስቲ ከምዝመዝገቡ ጠቂሶም።

”ኣብ‘ዘን ዝመፃ ሒደት ሰሙናት፣ንውፅኢት ምርምረና ዝምልከት መባእታዊ ሪፖርት ብወግዒ ክነፍልጥ ኢና ዝብል ተስፋ ኣለኒ።ብሓደ ወገን እኹል መርተዖ ኣለና፣ብካል ወገን ገና ዘይተረጋገፁ መግሃስቲ ኣብ ኢድና ኣሎ። ዛጊድ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ምግሃስ መሰላት ኢድ ኣለዎም ዝብል ገምጋም ኣሎና” ይብሉ ባዓል ስልጣን ሕ/ሃ።

እቲ መባእታዊ ሪፖርት፣መን ኣብ‘ቲ ገበን ተሳቲፉ ንዝብል ሕቶ ዝምልስ ሪፖርት ኣይኸውን ይብሉ ሚስተር ሲሞኖቪች።ብዘይካ‘ዚ ሕብረት ኣፍሪቃ ቅድም ኮምሽን ኣናዳዪ ሓቂ ክቀውም ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ከምዘቅረበ‘ውን ጠቂሶም።
XS
SM
MD
LG