ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዳሓር ሕብረት ኣፍሪቃ እንታይ ፈፂሞም?


ቀንዲ ቤ/ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ
ቀንዲ ቤ/ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ
ፅባሕ ቀዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኽበር መበል ሓምሳ ዓመት ወርቂ እየቤልዩ ምስረታ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ዓለም ዘተኣናግድ ክኸውን‘ዩ።ኣብ‘ዚ ኣህጉራዊ ኣኼባ ተመስሪቱ ዝተዳለወ ዕላል ምስ ክልተ ሙሁራት ታሪኽ ኣፍሪቃ ዘካየድናዮ መደብ ኣሎ።

ኣፍሪቃ ካብ ውሽጥን ወፃኢን ዘጓነፋ ፀገም ቀሊል ኣይነበረን ዝብል ዶ/ር ገላዴዎስ ኣርኣያ፣ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተፃወቶ ተራ ኣብ ክልተ ከምዝምቀል ይጠቅስ።

እቲ መጀመርያ ፖለቲካዊ ዕማም ምኻኑን፣ነተን ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ናፃ ምውፃእ፣ነቲ ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ዝነበረ ስርዓት ኣፓርታይድ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ምቅባፅ ኣብ ዝብሉ ዕማማት ኣገዳሲ ተራ ተፃዊቱ‘ዩ።ሕጂ ግን ናይ ቁጠባ ናፅነት ነተኩር ዝብል‘ዩ ይብል።

ዶ/ር ኪዳነ መንግስተኣብ ብወገኑ፣ሕብረት ኣፍሪቃ ከምመሳርሒ‘ዩ፣ናይ ባዕሉ ነፃነት የብሉን ንዝብል ገምጋም ከምዝሰማመዐሉን ሕብረት ኣፍሪቃ ዕላምኡን ኣድላይነቱን ዓብዪ‘ዩ፣ክምዕብል ዘለዎ‘ውን‘ዩ።እንተኾነ ዘድልዮ ገንዘብ‘ኳ ባዕሉ ዘይሽፍን‘ዩ ይብል።
AFRICA
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:26 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG