ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣፍሪቃ ሰራዊት ዓቓብ ሰላም ናብ ብሩንዲ ንዘይምስዳድ ተሰማሚዑ


ሕብረት ኣፍሪቃ ዓቓቢ ሰላም ሰራዊት ናብ ብሩንዲ ንዘይምስዳድ ብምስምማዕ ትማሊ ሰንበት ኣኬብኡ ዛዚሙ።

ፕረዝደንት ብሩንዲ ፔሪ ኒኩሪዚዛ ምውፋር ሰራዊት ዓቓቢ ሰላም ናብ ብሩንዲ ከም ወራር ከምዝረኣይ ምጥንቃቖም’ውን ይዝከር። በተወሳኺ ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝበለጸ ዝርርብ ልዑካት ናብ ብሩንዲ ናይ ምስዳድ ውጥን ከምዘሎዎ’ውን ዝረከብናዮ ሓበሬታ ይገልጽ።

ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ክካየድ ዝቀነየ መበል 26 ስሩዕ ኣኬባ ሕብረት ኣፍሪቃ ብሩንዲ ቀንዲ ትኹረቱ ኮይና’ያ ቀንያ። ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ባንኪ ሙን ኣብ መኽፈቲ’ቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዚ ኢሎም።

‘ኣብ ብሩንዲ ተዓዘብቲ ሰብኣዊ መሰላት ልዑክ ምክልካልን ንምውፋርን ዝብል ውጥን ይድግፎ’የ። እዚ ቅልውላው ናይ ኩላትና ዕቱብን ህጹጽን ተወፋይነት ዘድልዮ ጉዳይ’ዩ።’

እንተኾነ ግን ኮሚሽነር ሰላምን ጸጥታ ሕብረት ኣፍሪቃ ስማሊ ቸረጊ እቲ ሕብረት 5,000 ሰራዊት ዓቓብ ሰላም ናብ ብሩንዲ ናይ ምውፋር ውጥን ከምዘይትግብሮ ትማሊ ሰንበት ኣፍሊጡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG