ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅልውላው ኢቦላ ዝለዓለ ኣጀንዳ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ


African Union Logo
African Union Logo

ቅልውላው ኢቦላ ምዕራብ ኣፍሪካ ይካየድ ኣብዘሎ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ዝለዓለ ኣጀንዳ ክይኑሎ።።እቲ ለበዳ ይንኪ ምህላው ምልክታት እንተሃለው እውን መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብ ዳግመ ሕውየትን እቲ ቫይረስ ኣብ ልዕሊ እታ ኣህጉር ዝፈጠሮ ኣሉታዊ መልክዕ ኣብ ምጥፋእን ኣተኲሮም ኣለው።

ናብ ህንፃ ሕብረት ኣፍሪካ ክትኣቲ ኢቦላ ኣብ ናይ ኩሉ ሰብ ኣእምሮ ከምዘሎ ዝሕብር እዩ።ንናይ ሓፂን ፍተሻ ቅድሚ ምሕላፍ ሰራሕተኛታት ጥዕና ናይ ሙቐት መለክዒ መሳርሒ /thermometers/ ብምጥቃል መጠን ሙቖት ንምፍላጥ ናብ ሕድ ሕድ ተሳተፍቲ፣ተዓዘብትን ጋዜጠኛታትን እናጠመቱ ይልክዑ።

ኣባላት ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ቅልውላው ኢቦላ ዝተሳሰሩ ክልተ ፀብፃባት ክዝትዩ እዮም።

ምኽትል ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኢራስቱስ ሙየንቻ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ እቲ ለበዳ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ፤ግን መራሕቲ ንቕድሚ ክልዓል ንዝኽእል ቅልውላው ክዳለው እዮ ዝደልዩ ይብሉ።

‘’ካብ ተመኩሮ ዝተምሃርናዮ ከምዚ ዝበለ ለበዳ ክልዓል ከሎ ብዝቐልጠፈ ክንቀሳቐስ ሓደ ስርዓት ክቕመጥ ከምዘለዎ እዩ’’ ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’ካሊእ ዝዝተየሉ ዘሎ ድማ ኣድላኡይነት ምቋም ማእኸል መቆፃፀሪ ሕማም እዩ’’ኢሎም።

ትካል ጥዕና ዓለም/WHO/ኣብዚ ወርሒ እዚ ከምዝሓበሮ ኣብተን ብኢቦላ ኣዚየን ዝተጠቕዓ ጊኒ፣ላይበሪያን ሲየራ ሊዮንን ሕማም ኢቦላ ኣዚዩ ከምዝነከየ ብምግላፅ ሃገራት ብትኩርነት ክከታተልኦ ድማ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ንምክልኻልን ምሕዋይን እቲ ቅልውላው ሚሊዮናት ዶላር ንምሕጋዝ ቃል እንተኣተዋ እውን ብዙሓት ገና ከምዘይሃባ One ናይ ዝተብሃለ ፀረ ድኽነት ጉጅለ ይገልፅ።

ዳይረክተር ወፍሪ ONE እቲ ጉጅለ ዝኾና ሲፎ ሞዮ ኣብ ጎናዊ ኣኼባ እቲ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ ሓገዞም ብቕልጡፍ ንኽህቡ እቲ ጉጅለ ይፅውዕ ኢለን።

ኣይቮሪ ኮስት፣ኬንያ፣ናሚቢያን ናይጀሪያን ሓዊሱ ገንዝበ ንምሕጋዝ ዝኣተውኦ መፅብዓ ገንዘብ ዛጊድ ኣይሃባን ኢለን ሞዮ።

ድሕሪ ፅባሕ ዓርቢ ዝጅመር ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ኣዚዩ ወሳኒ ዝኾነ እዋን ዝካየድ እዩ ኢሎም ምኽትል ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኢራስተስ ሙየንቻ ገሊፆም።

እዚ ጉባኤ እዚ ብብዙሓት ምኽንያታት ኣዚዩ ኣገዳሲን ወሳንን እዩ ዝበሉ ንሶም ብሕብረት ኣፍሪካ ዝተነደፈ ኣጀንዳ 2063 ዕላዊ ዝኾነሉ እዩ ኢሎም።ኣጀንዳ 2063 ቁጠባ ኣፍሪካ ኣብ ዝቕፅሉ 50 ዓመታት ብቕልጡፍ ንምዕባይ ዘኽእል ሓባሪ መንገዲ ወይ ኣንፈት እዩ ኢሎም።

ብመዳይ ሰላምን ፀጥታን እውን ብቦኮ ሓራም ዝካየድ ዘሎ ኣኽራሪነትን ፅንፈኝነትን ናብ ምዕራባዊ ኣፍሪካ ናይ ምስፍሕፋሕ ስግኣት ኣብ ዝፈጠረሉ እዋን ኣብዚ ጉባኤ ናይ መዘራረቢ ኣጀንዳ ምዃኑ እውን ወሳኒ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG