ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኣፍሪካዊት ኣዶመንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኮይነን ተመሪፀን


ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ ክዛዘም እዩ

ደቡብ ኣፍሪካዊት ኤንኮሳዛና ድላሚኒ-ዙማ ኣዶ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኮይነን ተመሪፀን።እተን ምንስቴር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ደቡብ ኣፍሪካ ትማሊ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝተኻየደ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ንቶም ኣብስልጣን ዝፀንሑ ጋቦናዊ ዣን ፒንግ ስዒረንኦም።

ድላሚኒ-ዙማ ድሕሪ ዝተኻየደ ኣርባዕተ ዙሪያ ምርጫ ስለዝሰዓራ ነቲ ዝለዓለ ስልጣን ሕብረት ኣፍሪካ ክርከባ እየን።ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ ብዝተኻየደ ምሽጥራዊ ምሃብ ድምፂ እተን ደቡብ ኣፍሪካዊት 37 ድምፂ መራሕቲ ኣፍሪካ ብምርካብ ስዒረን ኣለዋ።ንምስዓር ልዕሊ ክልተ ሲሶ ድምፂ የድሊ።

ድላሚኒ-ዙማን ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም ዝፀንሑ ዣን ፒንግን ኣብዝሓለፈ ጥሪ ኣብዝተኻየደ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ነቲ ሓላፍነት ተወዳዲሮም ሓዲኦም ንምስዓር ዘድልዮም ድምፂ ኣይረኸቡን ነይሮም።

ብኻሊ ዜና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣከቡ መራሕቲ ኣፍሪካ ናይ ሕብረት ኣፍሪካ ናይዚ ዓመት ባጀት 280 ሚሊዮን ዶላር ንክኸን ኣፅዲቖም።እቲ ጉባኤ ሎምሽት ክዛዘም እዩ።

XS
SM
MD
LG