ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ አዲስ አበባ ዝተአከቡ መራሕቲ አፍሪቃ ኮሚሽነር 'ቲ ሕብረት ክመርፁ አይከአሉን


African leaders pose for a group photograph
African leaders pose for a group photograph

ኮሚሽነር ሕብረት አፍሪቃ ንምምራፅ ዝተጀመረ መስርሕ አብ መንቀራቅሮ አትዩ ጠጠው ኢሉ'ሎ።

እቲ መስርሕ ደው ዝበለ ኣብ ስልጣን ዝነበሩ እያን ፒንግ ከምኡ'ውን ሕፅይቲ ኮይነን ዝቀረባ ደቡብ አፍሪቃዊት ዲላማኒ ዙማ ዓብላሊ ድምፂ ብዘይምርካቦም'ዩ።

ሰለስተ ውጥረት ዝሓየሎ ዙር ምውሃብ ድምፂ'ውን ተኻይዱ፣ ውፅኢቱ ማዕረ ኽይኑ'ሎ። ኣብ ፈላማይ ምርጫ እያን ፒንግ ብ28 ን 25 ድምፂ ይመርሑ ነይሮም። ኣብ ካልአይ ዙር ዳላማኒ ዙማ ብ27 ን 26 ድምፂ መሪሔን። ኣብ ሳልሳይ ዙር ኣያን ፒንግ 29 ን 23 ይመርሑ'ለው።

እዚ ደውታ'ዚ ከመይ ጌርካ ከም ዝፍታሕ ዝሕብር ኣፋፍኖት ዛጊድ የለን። 53 ኣባል ሃገራት ዝሓቆፈ ሕብረት አፍሪቃ፣ ብድሕሪ ብዕፁው ኣኼባ ልዝብ ቀፂሉ'ሎ።

ዲፕሎማት ግና ክሳብ ካልእ ዙር ምርጫ ኣብ አኼባ መራሕቲ ዝሳለጥ እያን ፒንግ ንዝቅፅል ሽዱሽተ አዋርሕ ኮሚሽነር ክኾኑ'ዮም ዝብል ገምጋም አለዎም።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG