ዋሽንግተን —
ከም ኣካል’ቲ ምርካብ ንሰራዊት ምክልኻል ሶማል ዝብል ስምምዕ፡ ኣብ መሓስ ዞባ ሂራን ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ኣባላት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ሎሚ ረቡዕ ተልእኾኦም ዛዚሞም፡መዓስከሮም ኣረኪቦም ኣለዉ። እዚ ሎሚ ረቡዕ ዝተፈጸመ ምርኽኻብ መዓስከራት ሰራዊት ካልኦት ሃገራት ናይ ምጉዳል ውሳነ ካብ ዝጅምር ሻዱሻይ ምዃኑ’ዩ።
ሰብ-መዚ ሶማል፡ ነቲ ካብ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ንዝመጽኦም መጥቃዕታት ክምክቱ ድሉዋት ምዃንም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።
ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ እቲ ብኣትሚስ ዝፍለጥ ተልእኾ ዓቃብ-ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ታሕሳስ ናይዚ ዓመት ምስ ኣብቅዐ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምእከል ካልእ ተልእኾ ክቕጽል ምዃኑ እቲ ሕብረት ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣትሚስ ብዝብል ኣሕጽሮ ቃል ኣብ 2007 ዝጀመረ ተልእኾ ዓቃብ-ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ካብ ሓሙሽተ ሃገራት ማለት ኢትዮጵያ፡ ኡጋንዳ፡ ብሩንዲ፡ ኬንያን ጂቡቲን ዝሓቖፈ’ዩ።
ቅጥዒ