ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ሶማልያ ተወሳኺ 5 ሽሕ ወትሃደረት ንክዋፈሩ መፀዋዕታ ቀሪቡ


ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ዝመፅእ ሰመን ውሳነ ክህብ ትፅቢት ኣሎ

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣንፃር‘ቲ ምስ ኣል-ቃይዳ ዝተሓባበር ጉጅለ ምልሻታት ኣል-ሸባብ ወትሃደራዊ ወፍሪ ንምሕያል ይቀራረብ‘ሎ።እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ንበዝሒ ዓቃቢ-ሰላም ሶማልያ ንክውስኽ ተሓቲቱ።

ምንስትራት መከላኸሊ ሓሙሽተ ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃ፣ንበዝሒ ዓቃቢ-ሰላም ኣብ ሶማልያ ካብ 12 ሽሕ ናብ 17 ሽሕ ክብ ንክብል ትማሊ ረቡዕ ወሲኖም‘ለው።ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀጥታን ኣፍሪቃ፣ነቲ ውሳነ ተቀቢሉ፣ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ከሕልፎ‘ዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ንዝዓዘዘ ክፋል ገንዘባዊ ወፃኢ ኣሚሶም ዝፀረ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ስለዝኾነ እቲ ረቂቅ በቲ ቤት ምኽሪ ኣቀዲሙ ክፀድቅ ኣለዎ።

ኮምሽነር ኮምሽን ሰላምን ፀጥታን ኣፍሪቃ ራማትነ ለማምራ፣እቲ ወትሃደራዊ ውጥን፣ነቲ ኣብ‘ዚ ቀረባ ሓይልታት ሶማልያን ኢትዮዽያን ንኣል-ሸባብ ካብ ቁልፊ ከተማ በለድወይን ዝደፍኡሉ ዓወት ክጥቀመሉ’ዮ ኢሎም።

“ነቲ ኣብ ባይታ ተኸሲቱ ዘሎ ምዕባለ ኣብ ግምት ብምእታው ሓድሽ ስትራተጂካዊ ውጥን ንምሕንፃፅ ንሰርሕ ኢና ቀኒና።ኣል-ሸባብ ካብ ሞቃዲሾ ተገዲዱ ምውፅኡ፣ሳላ ሓይልታት ኬንያን ሶማልያን ዝፈፀምዎ መደብ ከምኡውን ሰራዊት ኢትዮዽያን ሶማልያን ተሓጋጊዞም ንበለድዌይን ሓራ ምውፀኦም ዝጥቀሱ ምዕባለታት‘ዮም” ኢሎም ንሶም።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ፣ንዓቃቢ-ሰላም ኣብ ሶማልያ ተወሳኺ ዓቅሚ ዝፈጥሩ ቀረባት ንክፈቅድ ተሓቲቱ‘ሎ።እቲ ሓድሽ ውጥን፣ዓቅሚ ሰራዊት ሶማልያ ወሳኒ ግደ ንክህልዎም ዝዕድምን፣ደንበ ፀረ ኣል-ሸባብ ዘኻዕብትን ምኻኑ ሚስተር ላመምራ ጠቂሶም።

እቶም ዝዝረበሎም ዘሎ ተወሳኺ ሰራዊት፣ኣብ ሶማልያ ኣትዮም ንዝርከቡ ወትሃደራት ኬንያ ዝምልከት‘ዩ።ሰራዊት ኬንያ ናብ እዚ ኣሚሶም ዝሕቆፈሉ መስርሕ ይጣጣሕ‘ሎ።

ኢትዮዽያ ግና ሽሕ‘ኳ ሰራዊታ ንበለድዌይን ሓራ ንምውፃእን ብሓፈሽኡ ኣብ ውግእ ፀረ-ኣል-ሸባብ ዝነበራ ተራ ወሳኒ‘ውን እንተኾነ፣ኣብ እዚ ኣሚሶም ከምዘይትሕቆፍ ኣፍሊጣ‘ላ።

ሚስተር ለማምራ፣ኢትዮዽያ ኣብ ሶማልያ ትፀንሓሉ ጊዜ ኣዝዩ ሓፂር እዋን ከምዝኸውን‘ያ ትፅበ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG