ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣፍሪቃ ንኩነታት ኢትዮጵያ ብቐረባ ንከታተሎ ኣለና ይብል


ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ግብሪ መልሲ ብዘይምሃቡ ገሪሙና ይብሉ ተቓወምቲ።

ኮሚሽነር ፖለቲካ ሕብረት ኣፍሪቃ ዶ/ር ዓሻ ዓብዱላሂ ግን ኣብ ኣደባባይ ኣይተዛረብናሉን`ምበር፡ ብድሕሪ መጋረጃ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ትብል።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ኢትዮጵያ ስቕታ ስለዝመርጽ፡ ንኢትዮጵያውያን፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብራስል ይቐርቦም ይብሉ ተቓወምቲ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ መንግስቲ ዝወስዶ ዝበሎ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክኹንን ከሎ፡ ኣመሪካ ብወገና መንግስቲ ነቲ ጸገም ብልዝብ ክፈትሖ ኣተሓሳሲባ`ያ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሕብረት ኣፍሪቃ ንኩነታት ኢትዮጵያ ብቐረባ ንከታተሎ ኣለና ይብል
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:54 0:00

XS
SM
MD
LG