ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርማሪ ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ አብ ጉዳይ ግጭት ደቡብ ሱዳን ጸብጻቡ አቅሪቡ


ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ዝተገብረሉ አብ ጉዳይ ግጭት ደቡብ ሱዳን ዝተኻየደ ናይ ሕብረት ኣፍሪካ መርማሪ ኮምሽን ጸብጻብ ወጺኡ።መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን እሙናት ዕጡቓት ናይ ቀደም ምኽትል ፕሬዝዳንት ሪያክ ማቻርን ምስ ገበናት ኲናት ዝዳረጉ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም’ዮም ይብል እቲ ጸብጻብ።

ብመሰረት እቲ ፀብፃብ ካብ ዝተፈጸሙ መግሃስትታት ቅትለት፣መስቀይቲ፣ጭካነን ኢሰብኣዊ ዝኾኑ ኣተሓሕዛን፣መጭወይቲ፣ጾታዊ ዓመጽ ይርከቡዎም።

ምጽናት ዘርኢ ተፈጺሙ ዝብል እምነት ግን የብሉን እቲ ኮሚሽን።ኣብ ክልቲኡ ወገን ነቲ መግሃስቲ ፈጺሞም ተባሂሎም ዝለዓለ ሓላፈነት ናይ ዝሽከሙ ተጠርጠርቲ መንነት እውን እቲ ኮሚሽን ኣለሊዩ’ሎ።

ብወገን ተቓዋሚ ግን ዋና ፀሓፊ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን /SPLA/ ዝኾኑ ኣምባሳደር ኢዘኬል ሎል ጋትኮዝ እቲ ጸብጻብ ንዕጡቓቶም ዘስግኦም ኣይኮነን ኢሎም።

ርእይቶ ሰበስልጣን መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ግን ኣይተረኽበን።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

መርማሪ ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ አብ ጉዳይ ግጭት ደቡብ ሱዳን ጸብጻቡ አቅሪቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:52 0:00

XS
SM
MD
LG