ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሮበርት ሙጋቤ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ክኾኑ እዮም ዝብል ጉጅለታት ስቪል ማሕበረሰባት ተቓዊመንኦ


African Union Logo
African Union Logo

ጉጅለታት ስቪል ማሕበረሰባት ናይ ዙባቤ ፕሬዝዳንት ሮበርት ሙጋቤ ቀፃሊ ፕሬዝዳንት ሕብረት ኣፍሪካ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ንዝብል ይቃወምኦ ኣለዋ። በብዓመቱ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብዝካየድ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ እቲ ህጉራዊ ኣካል ኣቦ መንበር ይመርፅ።ኣብዚ ዓመት እዚ እቲ ስልጣን ኣቦ መንበርነት ብናይ ዙምባቤ ፕሬዝዳንት ሮበርት ሙጋቤ ዝትሓዝ ይመስል።

ዪቨስ ኒዪራግሪ ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ዝጥምት ኣብ ትሕቲ ፅላል ፓን ኣፍሪካ ዝንቀሳቐስ ፋሃሙ ኣብ ዝተብሃለ ትካል ይሰርሑ።ንዙምባቤ 35 ዓመታት ዝገዝኡ ሙጋቤ ንመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ ምምራፅ ንኣፍሪካዊያን ዜጋታት ጌጋ መልእኽቲ የሕልፍ ይብሉ ንሶም።

ብምስዓብ ‘’ጉባኤ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ከምቲ ኣብ መትከል ሕብረት ኣፍሪካ ዝተቐመጠ ንመትከላት ሰናይ ምሕደራ፣ኽብሪ ሰብኣዊ መሰላት፣ልዕነት ሕግን ዴሞክራስን ዝውክል ፕሬዝዳንት ክመርፁ ንፅውዕ ኣለና’’ኢሎም።

ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሙጋቤ ብምጭብርባር ምርጫ፣ንተቓወምቲ ብምእሳርን ብምንክልባትን ነዊሕ ኣብ ስልጣን ፀኒሖም ይብሉዎም።ሕብረት ኣፍሪካ ናይ ውልቀመለኽቲ ክበብ ተባሂሉ ብተደጋጋሚ ይፅዋዕ።ኣብ ኣፍሪካ ነዊሕ ዝገዝኡ 14 መራሕቲ ሃገራት ብድምር 323 ዓመታት ኣብ ስልጣን ምፅንሖም ፋሃሙ ይሕብር።

ኣብ ኣፍሪካ ኣብዚ ዓመት እዚ 10 ምርጫታት ንምክያድ ኣብ እትዳለወሉ እዋን ነፃን ሚዛናዊን ምርጫታት ክካየዱ ሕብረት ኣፍሪካ ኢዱ ከእቲ ኒዪራጊሪራ ይፅውዑ።

ሕብረት ኣፍሪካ ንፀቐርቦ ነቐፌታ ብምንፃግ ምርጫ ናብዝካየደለን ሃገራት ተዓዘብቲ ጉጅለታት ንልእኽ ኣለና ኢሉ።

ቀፃሊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ሃገሩ ብሓይሊ ብምግዛእ ካብ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጉጅለታት ደገፍቲ ዴሞክራስን ከቢድ ነቐፌታ ዝቐርቦ ፕሬዝዳንት ክኾኑ ገሊኦም ዘይፅበይዎ ምዕባለ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተብሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ቦኮ ሓራም ኣብ ከተማ ማይዱግሪን ሞንጉኖን ብዝተፈፀሙ ክልተ ዓበይቲ መጥቓዕትታት ንዝተሃሰዩ ኣማእቲ ኣሽሓት ሰባት ሓለዋ ክግበረሎም ኣጠንቂቑሎ።ህፁፅ ጠመተን ሓለዋን እንተድኣ ዘይተገይሩ ኣብተን ከተማታት ሰብኣዊ ቅልውላው ክፍጠር እዩ ክብል የጠንቅቕ።

ኣንፃር ቦኮ ሓራም ብዛዕባ ምውፋር ሓይሊ ድሕሪ ፅባሕ ሓሙስ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብናይታ ኣህጉር ሰላምን ፀጥታን ክዝተየትሉ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።

XS
SM
MD
LG