ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኩነታት ጸጥታ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሰክፍ’ዩ” ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕ/ኣፍሪቃ


ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት ኣፍሪቃ ኩነታት ጸጥታ ዘሰክፍ’ዩ ክብሉ አቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ገሊጾም። ብኣንጻሩ ኸአ ኣብታ ኣህጉር ገለ ተስፋ ዝህቡ ኩነታት’ውን ኣለው ክብሉ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ኣፍሪቃ ሙሳ ፋክያ ገሊጾም።

ሎሚ ኣብ አዲስ አበባ መአከቢ አዳራሽ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጀመረ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ከምቲ ልሙድ ፍጻሜታትን ዓወታትን ከምኡ’ውን ዘሰክፉ’ዮም ዝተባህሉ ኩነታት ዳህሲሱ ኣሎ።

“ኩነታት ጸጥታ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሰክፍ’ዩ” ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕ/ኣፍሪቃ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:16 0:00

ካብ መንጎ’ቶም መደረ ዝገበሩ ሓደ አቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ብኣስተርጓሚ ኣቢሎም ዘሰክፍ ዝበልዎም ኩነታት ጠቂሶም።

“ጉዳያት ሰላምን ጸጥታን ብዝለዓለ ደረጃ ዘሻቕሉ ኮይኖም ቀጺሎም ኣለው። ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ሶማል፡ሊብያ፡ሪፖብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ጅቡትን ኤርትራን ዘሎ ውጥረት ዝመልኦ ርክብ፡ ግብረ ሽበራ ኣብ ዝረአየላ ማሊ፡ አጸጋሚ ኩነታት ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ፡ብሩንዲን ጊኒ ቢሳውን ኣብ ዝአመሰላ ሃደ ሓደ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎ ኩነታት ፖለቲካ ዘሻቅል’ዩ።”

ነዚኦም ዘሰክፍ ጎንጽታትን ኩነታትን መዓልቦ ኣብ ምግባር ሃገራት’ቲ ከባቢ እጃሞም ክገብሩ’ዩ ትኹረት ከምዝተገብረን ዞባዊ ጉጅለታት ሜላታትን ምስ ዝምልከቶ አካላት ሕብረት ኣፍሪቃ ብምኳን ጻዕሮም ክብ ከብሉ መጸዋዕታ ንምቅራብ እዩ ኢሎምም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Recommended

XS
SM
MD
LG