ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዶብ ኤርትራን ጅቡትን ህድኣት ጸዊዑ`ሎ


ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ
ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ

ጅቡቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ሰራዊት ቐጠር ዝሓደግዎ ኣሰሓሓቢ ቦታታት ሒዞሞ ብምባል ድሕሪ ምክሳሳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዶብ ኤርትራን ጁቡትን ህድኣት ጸዊዑ`ሎ። ኤርትራ ምሉእ ስእሊን ሓበሬታን`ቲ ኩነታት ምስ ረኸብኩ ርእይቶይ ክህብ`የ ዝብል መግለጺ ኣውጺኣ`ላ። ጎረቤት ክልቲኤን ሃገራት ዝኾነት ኢትዮጵያ ብወገና፡ ውጥረት ካብ ምዕራግ ክቑጠባን ፍልልያተን በሰላም ክፈትሓን ጸዊዓ`ላ።

ወሃቢት-ቃል ሕብረት ኣፍሪቃ ኢባ ካሎንዶ፡ እቲ ሕብረት፡ ኣጻራይ ጉጅለ ናብ`ቲ ዘሰሓሕብ ዝብሃል ዘሎ ቦታ ከምዝልእኽን፡ ኤርትራን ጅቡትን ምሕዝነተን ናብ ንቡር ክመልሳ ከምዝሕግዝን ኣፍሊጣ`ላ።

“ኣብ`ዚ ክነስመረሉ ንደሊ፡ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ሰበ-ስልጣን ጅቡትን ኤርትራን ብቐረባ ይመክር ከምዘሎን ኣብ መስርሕ ድማ ኣጸራይ ጉጅለ ናብቲ ዶብ ኸምዝልእኽን፡ ክልቲአን ሃገራት ምሕዝነተን ናብ ንቡር ንምምላስ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝሕግዝን`ዩ።”

እቲ ምልኣኽ ኣጸራይ ጉጅለ ምስ ሰበ-ስልጣን ኤርትራን ጅቡትን ብምምኽኻርን ብምስምማዕን ከምዝግበር ዝገለጸት ወሃቢት ቃል፡ እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ብመንጽር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኽተሎ ንኽልቲአን ሃገራት ናብ ንቡር ምሕዝነት ክምለሳ ዝገብሮ ጻዕሪ`ዩ ኢላ። “ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ እተን ኣባል ሃገራት ዝኾና ጅቡትን ኤርትራን ምሕዝነተን ናብ ንቡር ክመልሳን ጽቡቕ ጉርብትና ኸማዕብላን ንምርግጋጽ ይሰርሕ ኣሎ። እዚ ድማ ሓደ ካብ`ቲ ናቱ ኣሰራርሓ`ዩ።”

ካብ ወገን ኤርትራ፡ ቅድሚ ትማሊ መግለጺ ዘውጽአ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ፡ ብዛዕባ ምውጻእ ቐጠር ክሳብ ሎሚ ዝተነገረና ሓበሬታ የለን ይብል። እቲ ብቐጠር ዝተወስደ ናይ `ታህዋኽ` ዝበሎ ስጉምቲ ድማ፡ ብምኽንያት`ቲ ዝርአ ዘሎ ሓጎጽጎጻዊ ሃዋህው እዩ ኢሉ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝኣምን ዝገለጸ እቲ መግለጺ፡ ኣብ`ዚ ሰዓት`ዚ ኣብ ግምታዊ ትንተና ክንጽመድ ግቡእ ኮይኑ ኣይርኣየናን ኢሉ`ሎ።

ብዛዕባ`ቲ ኩነታት ምሉእ ሓበሬታ ምስረኸበ ርእይትኡ ዕላዊ ከምዝገብር`ውን ሚኒስትሪ ዜና ኣብ መግለጺኡ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኣምባሳደር ኤርትራ ደስታ ዝጠቐሰ ኣሶስይትድ ፕረስ ድማ፡ ሃገሩ ምስ ቐጠር ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኣየቋረጸትን ምባሉ ጠቒሱ`ሎ።

ጎረቤት ጅቡትን ኤርትራን ዝኾነት ኢትዮጵያ ብወገና፡ ነቲ ኣብ ዶብ ጅቡትን ኤርትራን ዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ትከታተሎ ከምዘላን፡ ነቲ ብኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝወጸ ናብ`ቲ ኸባቢ ኣጻራይ ኮሚሽን ምልኣኽ ዝብል መግለጺ ከምትደግፍን ኣፍሊጣ`ላ። ከምኡ`ውን ክልቲአን ሃገራት ካብ ውጥረት ሃዲአን ፍልልያተን ብሰላም ክፈትሓ ብምጽዋዕ፡ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጻዕሪ ክድግፍ ነተባብዕ ይብል ካብ ወሃቢ-ቃል-ሚንስትሪ ወጻኢ ኢትዮጵያ ዘወጸ መግለጺ።

ቐጠር ሰራዊታ ካብ`ቲ ትሽምግሎ ዝነበረት ዶብ ኤርትራን ጅቡትን ዘውጸአት፡ ኣብቲ ምስ ስዑድን፡ ገለ ሃገራት ወሽመጥን ዘጋጠማ ምስሕሓብ፡ ኤርትራን ጅቡትን ምስ ጉጅለ ስዑድያ ድሕሪ ምውጋነን`ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዶብ ኤርትራን ጅቡትን ህድኣት ጸዊዑ`ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:22 0:00

XS
SM
MD
LG