ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወርቂ እየቤልዩ ምስረታ ሕብረት ኣፍሪቃ ፅባሕ ክኽበር‘ዩ


መራሕቲ ዓለም፣ነቲ ዳሓር ንሕብረት ኣፍሪቃ ዝወለደ ኣህጉራዊ ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመስረተሉ መበል ሓምሳ ዓመት ንምዝካር ናብ ኣዲስ ኣበባ ይኣትው‘ለው።ጌብ ጃስለው ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝላኣኾ ሪፖርት፣እቶም መራሕቲ ንሕሉፍ ገምጊሞም ንመፃኢ ዝእምትሉ መድረኽ ይፅበዮም‘ሎ ይብል።

ኣብ 1963 ኣቆፃፅራ ኣውሮዻ፣ካብ መግዛእቲ ናፃ ዝወፃ ሃገራትን ኢትዮዽያን፣ነቲ ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተባሃለ ማሕበር መስረታ። መደቦም፣ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ንዝነበራ ሃገራት ናፃ ንምውፃእ።

እቲ ውዳበ ድሕሪኡ ነዊሕ ተጓዒዙ‘ሎ።ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ 54 ኣባል ሃገራት ልዕሊ 17 ሽሕ ዓቀብቲ ሰላም ኣብ ሶማልያ ኣዋፊሩ፣ዞባዊ ቅልውላው‘ውን ይፈትሕ።

ካብ ዩኒቨርስቲ ሂረከስ ኣሜሪካ ናብ‘ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ዘሎ ሰሚናራት ዝኣተወ ሆራስ ካምፕቤል፣ኣፍሪቃ ክንደይ ርሕቀት ተጓዒዛ? ንዝብል ሕቶ ይምልስ።ጉዕዞ ቀሊል ኣይነበረን።ግን ሕብረት ኣፍሪቃ ዘይናዓቅ ኣካል ኮይኑ‘ሎ ይብል።

”እቶም ዝሓለፉ ሓምሳ ዓመታት ብርክት ዝበሉ ፀገማት ነይሮም።እንተኾነ ምቅባፅ መግዛእቲን ኣፓርታይድን፣ኣፍሪቃ ንዓለም መንነታ ዘርአየትሉ ኩነታት‘ዩ ፈጢሩ” ኢሎም።

ብመሰረት ቴማ ናይ ሎም-ዘበን ባዓል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍሪቃዊነትን ህዳሴን‘ታ ኣህጉር፣መራሕቲ ነቶም ዛጊድ ዝተመዝገቡ ኣዎንታታት ዓቂቦም ንዝላዓለ ውፅኢት ንክሰርሑ ክውጥኑ‘ዮም።

ቁጠባ ኣፍሪቃ፣ካብ‘ቶም ቀዲሞም ዝስርዑ ብናህሪ ይዓብዩ ዘለው ቁጠባታት ዓለም‘ዩ ዝበላ ኮምሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ንኮሳዛና ድላማኒ-ዙማ፣እቲ ምዕባለ ኣብ ምፍጣር ዕድል ስራሕን ቀፃላይ ዕብየትን ግና ኣበርክቶ ኣይገበረን ዘሎ ኢለን።

”ንድሕሪት ክንጥምት ከለና፣ኣፍሪቃ ትሕበነሉ ፍፃመታት ኣለው‘ዮም። እንተኾነ ብዝሓሸ ኣገባብ ክንዓዮም ዝግባኣና ዘፈራት‘ውን ከምዘለው ክፍለጥ ኣለዎ።ስለዚ እዋኑ፣እዋን ተዘክሮን መብፃዓ ንኣትወሉን እዋን‘ዩ” ይብሉ።

ኣብ‘ቲ ፅባሕ ቀዳም ዝኽፈት ኣኼባ ዝኽሪ ሓምሳ ዓመት፣ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ባንኪ ሙን፣ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ጆን ኬርይ፣መራሒ ፈረንሳ ፕረዚደንት ፍራስዮስ ሆላንድ፣ፕረዚደንት ብራዚል ዲልማ ሩሰፍን ካልኦት መራሕቲን ክርከቡ‘ዮም።
XS
SM
MD
LG