ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማይ ኣባይ ንሓባራዊ ረብሓ ክውዕል ሕብረት ኣፍሪቃ ፀዊዑ


Nkosazana Dlamini-Zuma
Nkosazana Dlamini-Zuma
ኣብ ጉዳይ ምስሕሓብ ኣባይ/ናይል ኩሎም ወገናት ተረባሕቲ ዝኾንሉ ኣንፈት ንክትግበር ድልየት ሕብረት ኣፍሪቃ ምኻኑ ተገሊፁ።

ኮምሽነር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ እንኮሳዛና ዲላማኒ ዙማ፣ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃበኦ ጋዜጣዊ መግለፂ፣ኣብ ኣፈታትሓ‘ቲ ምስሕሓብ ዝምረፅ‘ዩ ዝበለኦ ክዛረባ ከለዋ ”ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት ዘይኮነስ ብሓድሽ መንፈስ ፓንኣፍሪካኒዝም፣ ተሃድሶን ኩሎም ወገናት ተረባሕቲን ሳዓርቲን ዝኾኑሉ ኣገባብን‘ዩ ክፍታሕ ዝግባእ” ኢለን እተን ኮምሽነር።

ምንስትር ወፃኢ ኢትዮዽያ ትማሊ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ግና፣ብጠንቂ ኣብ ሞንጎ ግብፅን ኢትዮዽያን ብምኽንያት ኣባይ ናይል ዝተላዕለ ምስሕሓብ ኣብ ምድቃስ፣ሳልሳይ ወገን ኣየድልን ከምዝበለ ዝዝከር‘ዩ።
XS
SM
MD
LG