ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነስርዓት ዝኽሪ ማንዴላ ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ተኻይዱ


African Union Logo
African Union Logo

ትማሊ ዘንበት ኣዲስ ኣበባ ኣብዝርከብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ስነርትዓት ዝኽሪ ኔልሰን ማንዴላ ተኻይዱ።እቲ ስነርዓት ነዊሕ ናይ ቓልሲ ጉዕዝኦም ዝተዘከረሉን ኣስተዋፅኦም ዝተንኣደሉን እዩ ነይሩ።ካብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪካ መደረ ዘስምዑ፣ማንዴላ ምስ ኣፍሪካ ንዝነበሮም ምትእስሳር ኣልዒሎም።

ኣብ ሕብረት ኣፍሪካን ኢትዮጵያን ኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪካ ዝኾኑ ኤን ኤን ኒሲንጋ ብኔልሰን ማንዴላ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ANC ኣብ 1962 ዓ/ም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፀሉ ኣጋጣሚን ኔልሰን ማንዴላ ናይ ኽልተ ኣዋርሕ ወታደዊ ስልጠና ዝረኸቡላ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ፍሉይ ስምዒትን ማንዴላ ካብ ዝፅሓፍዎ መፅሓፍ ብምጥቃስ ኣስሚዖም።

ናይ ማንዴላ ናይ ቓልሲ ብፀይቲ እየ ኢለን ነቲ መድረኽ ንባዕለን ዘላለያ ካልእቲ ተዛራቢት ኣዶ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዶ/ር ዲላሚኒ ዙማ እየን።

ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምንስትቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ እውን ህይወት ማንዴላ ነፀብራቕ ኣብታ ኣህጉር ዝተኻየደ ቓልሲ እዩ ኢሎም።ናቶም ህይወት ናይ ኣፍሪካ መፃኢ ዕፃ እውን ይውክል እዩ ኢሎም ኣቶ ሃይለማሪያም።

ንፍትሒ ኣልቦነት ክሳብ መወዳእታ እንተተዋጊኢናዮ፣ንኣረሜናዊ ተግባራት እውን ከይተንበርክኽና እንተድኣ ቀፂልና፣ንፍትሕን ነፃነትን ልዕሊ ኩሉ ድማ ንክብሪ ደቂ ሰባት ዘለና ድልውነት እንተድኣ ደፊእናሉ፣ኣይክእሉን እዮም ዋላ እንተተብሃልና እውን ስዒርና ክንወፅእ ኢና ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ መራሕቲ ዓለም ፅባሕ ሰሉስ ኣብዝካየድ ስነ ስርዓት ዝኽሪ ኣብ መበል 95 ዓመቶም ዝዓረፉ መራሒ ተቓላሳይ ፀረ-ኣፓርታይድ ኔልሳን ማንዴላ ንምስታፍ ናብ ደቡብ ኣፍሪካ የምርሑ ኣለው።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ምስ ቀዳመይቲ እመቤት ሚሽል ኦባማ፣ናይ ቀደም ፕሬዝዳንት ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ምስ ብዓልቲ ቤቶም ሎራ ቡሽ ሎማዕንቲ ሰኒ ካብ ዋሽንግተን ተላዒሎሞ ኣለው።ቢል ክልንቴንን ጂሚ ካርተርን ክልቲኦም ናይ ዩናይትድስ ስቴትስ ፕሬዝዳንትታት ዝነበሩ ኣብ ጆሃንስ በርግ ኣብዝርከብ ስታዲዮም ኪዕሶ እግሪ ኣብ ዝካየድ ስነስርዓት ንምስታፍ ንበይኖም ይጉዓዙ ኣለው።

ልዕሊ 80 መራሕቲ ሃገራት፣ንጉሳዊያንን ላዕለዎት ሰበስልጣንን ዓለም ኣብቲ ዝኽሪ ክርከቡ ትፅቢት ከምዝግበር ደቡብ ኣፍሪካ ኣፍሊጣ’ላ።ማንዴላ ኣብ 1990ታት ኣ/ፈ ካብ ናይ 27 ዓመታት ማእሰርቲ ምስተፈትሑ ፈላማይ ፀሊም ፕሬዝዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ብምዃን ተመሪፆም።

ምንስቴር ወፃኢ ማይተ ኖኣና-ማሻባኔ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣብቲ ስነርዓት ንምስታፍ መራሕቲ ዓለም ድልየት ኣሪኦም ኣለው፤እቲ ስነስርዓት ኣብ ትሕቲ ፅኑዕ ሓለዋ ፀጥታ ድማ ክካየድ እዩ ኢለን።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ ቅድሚ 80 ሽሕ ሰባት ካብ ዝዛረቡ ሓደ እዮም።
ቀዳማይ ምንስቴር ብሪታኒያ ዴቪድ ካምረን፣ናይ ፈረንሳይ ፕሬዝዳንት ፍራንስዋ ኦላንድ፣ናይ ብራዚል ፕሬዝዳንት ዲልማ ራውሰፍ፣ናይ ኩባ ፕሬዝዳንት ራውል ካስትሮን ዋና ፀሓፊ ሕብራት መንግስታት ባንኪ-ሙንን ኣብቲ ስነስርዓት ካብ ዝርከቡ መራሕቲ ዓለም ገሊኦም እዮም።

ብህይወት ካብ ዝርከቡ ፕሬዝዳንታት ዩናይትድ ስቴትስ ኣብቲ ስነስርዓት ዘይርከቡ 89 ዝዕድሚኦም George H.W. Bush ጥራሕ እዮም።ምኽንያቱ ድሕሪ ሕዚ ክጉዓዙ ስለዘይኽእሉ።
XS
SM
MD
LG