ኣዲስ ኣበባ —
ሕማም ዓሶ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ መሊእካ ንምጥፋእ፣ ዓመታዊ 5.2 ቢሊዮን ዶላር ከም ዘድሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ። እቲ ሕብረት፡ ኣብ ምዝዛም መበል 38 ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብዝሃቦ መግለፂ፡ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ዝግበር ፃዕሪ ብሰንኪ ዋሕዲ ገንዘብ ይዕንቀፍ ምህላዉ ሓቢሩ። እቲ ኣብ ቀረባ እዋን፣ መንግስቲ ኣመሪካ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቁራፅ ዘሕለፎ ውሳነ ድማ ነቲ ፀገም ዘጋድድ ከምዝኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ ኣሎ። መንግስቲ ኣመሪካ ንምሕደራ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ብሓድሽ ይፍትሾ ከም ዘሎ ይገልፅ።
ቅጥዒ