ሕብረት ኣፍሪካ የካይዶ ብዘሎ ወፍሪ ሰራዊት መኸተ ጎይታ /LRA/ ይዳኸም ኣሎ።ብዘይእኹል ቀረባት ግን ንጆሴፍ ኮኒን ስዓብቱን ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ንምግባርን ብሓይሊ ዘዕጠቕዎም ህፃውንቲ ወታደራት ነፃ ንምውፃእን ዓመታት ክወስድ እዩ።
ሰራዊት መኸተ ጎይታ /The Lord's Resistance Army/ ብኣህፅሮተ ቃል LRA ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ጉጅለ ኣብ ሓደ እዋን ንናይ ገጠር ዓድታት ብምቅፃል፣ንህፃናት ብምጭዋይን ንኣሽሓት ሰባት ብምምዝባልን ይፍለጥ ነይሩ።ዕላምኡ ንመንግስቲ ፕሬዝዳንት ዩዎሪ ሙሶቮኒ ካብ ስልጣን ንምውራድ እዩ።
ካብ ኡጋንዳ፣ደቡብ ሱዳን፣ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎን ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካን ዝተዋፅኡ ወታደራት ዝሓቖፈ ብሕበረት ኣፍሪካ ሓደ ዞባዊ ግብረ ሓይሊ ድሕሪ ምጥያሹ ግን እቲ ደባይ ተዋጋኢ ከምዝተዳኸመ ሊውተናንት ጀነራል ሳሙኤል ካሩማ ይገልፁ።
‘’ንገሊኦም ብምቕታልን ብምራኽን ዓቕሞም ኣዳኺምናዮ ኣለና’’ ዝበሉ ንሶም ብምስዓብ ‘’ናይቲ ጉጅለ መሪሕነት ካልኣይ ሰብ ሓዊሱ ብዙሓት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ተቐቲሎም እዮም።ገሊኦም ላዕለዎት ኣዘዝቲ እውን ከዲዖም ኣለው’’ኢሎም።
እቲ ግብረ ሓይሊ LRA ኣብዝንቀሳቐሰለን ኣርባዕተ ሃገራት ብርክት ዝበሉ መደብራት ኣለዎ።ሎሚ LRA ኣብ ሓሙሽተ ቀንዲ ጉጅለታት ከምዝተኸፈለ ይእመን።መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካን ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮነጎን ይንቀሳቐሱ።
ኣርባዕቲአን ሃገራት ብድምር 5,000 ወታደራት ንምውፃእ ቃል ኣትየን ነይረን።ኡጋንዳ 2,000 እተን ዝተረፋ ድማ ሕድ ሕደን 1,000 ወታደራት ንምውፃእ።ኣብ ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካ ኣዛዚ ወታደራት ኡጋንዳ ኮሎኔል ማይክ ካባኞ ግን እዘን ሃገራት ከዋፅእኦ ቃል ዝኣተውኦ ኣየማልኣን ይብሉ።
ዛጊድ ኡጋንዳ 1,500፣ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊ ኮንጎ ካብ 100 ክሳብ 500፣ደቡብ ሱዳን ድማ ካብ 100 ክሳብ 200 ወታደራት ኣዋፊረን ኣለዋ ኢሎም።ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካ ኣይልኣኸትን።
ቃለን ንምምላእ ዝኣገደን ኣብ ውሽጠን ብዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው፣ግጭትን ህውከትን ከምኡ እውን ዋሕዲ በጀትን እዩ።
ናይ ኣየር ሓገዝን ስልጠናን ካብ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ናይ ኣፍሪካ ኮማንድ Africom ይረኽቡ።ሓይልታት ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ቀጥታዊ ስርሒት ኣይሳተፉን።
ሕብረት ኣፍሪካ ነቲ ግብሪ ሓይሊ ፍቓድ ሂቡዎ እምበር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣየወፊይን።ኩሉ ነገር እተን ሃገራት ባዕለን የማልኣ።እቲ ግብሪ ሓይሊ ኣብዘን ዓበይቲ ሃገራት ብ2,000 ወታደራት ጥራሕ ከምዝንቀሳቐስ ጀነራል ካሩማ ይገልፁ።
LRA ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰን መስከረምን ንዓሰርተታት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ፈቲሑ’ሎ።እቲ ጉጀል ይዳኸም ከምዘሎ ካሊእ መርኣያ።
እቲ ጉጅለ ካብ ደባይ ተዋጋኢነት ናብ ህድማ ኣትዩ’ሎ።
ግዚያዊ ኣዋሃዲ ማእኸል ስለያ ሻንበል ልዊስ ቻርለስ ወታደራት ሕብረት ኣፍሪካ ንኣዛዚ እቲ ጉጅለ ኮኒ ዋላ እንተቐተሉዎ እውን መወዳእታ LRA ኣይኸውንን ይብሉ።ተዋጋእቲ ኢዶም ክህቡ እዮም፤ገሊኦም ግን ኣብ ጫካ ዝተወልዱ ስለዝኾኑ ኣብኡ ክተርፉ እዮም ኢሎም።
LRA እናተዳኸመ እንተኾነ እውን ሕዚ እውን ካብ 300 ክሳብ 500 ዝግመቱ ተዋጋእቲ ኣለዎ።ምንጪ ገንዘቡ ኣብ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክኮንጎ፣ካብ መሸጣ ስኒ ሓርማዝ።ብዙሕ ሰብ ኣብዝየነብረሉ ከባቢ ይንቀሳቐሱ።