ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ኣፍሪቃ ንጉዳይ ኣይቮሪኮስትን ሊብያን ይዘራረቡሉ'ለው


AU
AU

ተሪር ስጉምቲ ንክወስዱ ትፅቢት ኣሎ

ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ነታ ኣህጉር ኣጓኒፎምዋ ንዘለው ክልተ ከበድቲ ፀገማት - ፀገም ኣይቮሪኮስትን ሊብያን - ንምዝርራብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣኪቦም።ናይ ኣዲስ ኣበባ ኣቀባሊና ፒተር ሃይንለይን፣ ተኣማንነትን ገንዘባዊ ምንጪን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ሕቶ ወዲቁ‘ሎ ይብል።

ኣብ‘ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚን ፅባሕን ዝሳለጥ ዕፁው ኣኼባ ኣይቮሪኮስት፣ብዓለም ዝተፈልጡ ኦላሳኔ ዋታራ ይሳተፉ‘ለው።ኣብ ስልጣን ዘለው ለውረት ባግቦ ግና የለውን።

ድሕሪ ናይ 5 መራሕቲ ሃገራት ልዝብ፣ቤት ምኽሪ ፀጥታን ሰላምን ኣፍሪቃ ሓሙስ ተራኺቡ፣ጉዳይ ኣይቮሪኮስትን ነቲ ደሚቁ ይራኣይ ዘሎ ናይ‘ቲ ኣህጉራዊ ውዳበ ንዴሞክራስያዊ እሴታት ዘይምግዳስን ሊብያን ክዘራረበሎም’ዩ።

እቲ ፀገም ዝያዳ ዘጋድዶ ድማ፣ኣይቮሪኮስትን ሊብያን ኣባላት‘ቲ 15 ሃገራት ዝሓቆፈ ውዳበ ምኻነን‘ዩ።ዋላ‘ኳ ኣይቮሪኮስት ንጊዚኡ ዝተኣገደት እንተኾነት።

ሙሁራትን ንሕብረት ኣፍሪቃ ዝከታተሉን ግና፣እዚ ወቅቲ‘ዚ ንታሪኽ እቲ ኣህጉራዊ ውዳበ ኣዝዩ ወሳኒ‘ዩ ይብሉ።ኣብ ጂኦርጅያ ኮሌጅ ሞርሃውስ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ትከታተል ላውራ ሴይ፣ንፕረዚደንት ሮበርት ሙጋቤን መራሒ ኢኳቶርያል ጊኒ ቲኦዶር ኦብያንግን ዝሓወሰ ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀጥታን ሕ/ኣ ኣንፃር መለኽቲን ገዛእቲን ሓያል ውሳነ ከሕልፍ‘ዩ ኢልካ ምፅባይ ኣይካኣልን ትብል።

ንሳ ወሲኻ፣ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ዝዛረቡሉ ኣጋጣሚ‘ዩ።ኣብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ዘለኹም ኣካል‘ዛ ኣህጉር ኢኹም፣ንሕና ኣብ ደቡብ ዘለና ብዛዕባኹም‘ውን ክንዛረብ ኢና ክብሉ ኣለዎም በለት።

ለውራ ሴይ ወሲኻ፣መብዛሕተኦም መራሕቲ ኣፍሪቃ ብመዓሙር ገዳፊ ተሰላችዮም‘ዮም።ምኻዱ‘ውን ከሐጉሶም‘ዩ፣ገዳፊ ኣብ ዘይብሉ፣ገለ ክፋል ኣፍሪቃ ብዙሕ ለውጢ ኣየምፅእን።ንከም ዙማ፣ሙሰቨኒን ጎድለክ ጆናታን ግና፣ናይ ገዳፊ ምውራድ ሰላም ከስዕበሎም ምኳኑ ገለፀት።

ምዕራባውያን ዲፕሎማታትን ንሕ/ኣ ዝከታተሉን ተንተንቲ፣ኣፍሪቃ ንፀገማት ኣይቮሪኮስትን ሊብያ ዝህብዎ ግብረ-መልሲ ብቀረባ ይከታተሉ‘ለው።

መንነቱ ክዕቀበሉ ዝመረፀ ሓደ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ግና፣ኣላሳኔ ዎታራ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣይቮሪኮስት ተዓዊቱ‘ዩ ዝብል ወግዓዊ መግለፂ ንፅበ ኢና ይብል።ከም‘ቲ ኣብ ዚምባብዌን ኬንያን ዝተተግበረን ውሱን ውፅኢት ዘምፀአን መቀሎ ስልጣን ኣይጠቅሱን ይኾኑ‘ውን ይብል።

ብዛዕባ ሊብያ‘ውን እንተኾነ ወሳናይ ስጉምቲ ንፅበ ኢና ዝብል እቲ ዲፕሎማት፣ሊብያ ካብ ኣባልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ምብራር ከምኡውን ኣብ ሊብያ ካብ በረራ ናፃ ዝኾነ ሰማይ ምፍጣር ንዝብሉ ኣምራት እንተዘይ ኣፅዲቆም፣ናይ ምጉታት ታክቲክ‘ዮም መሪፆም ማለት‘ዩ ይብል።

ብሕቡእ ዝዛረቡ ሰበ-ስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃ ግና፣እዞም ዝተጠቅሱ ነጥቢታት፣ካብ‘ቲ ናይ ክልተ መዓልታት ኣኼባ ክቃልሑ‘ዮም ዝብል ትፅቢት የለን ባሃልቲ‘ዮም።




XS
SM
MD
LG