ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንሽምግልና ሩስያን ዩክሬንን ዝዓለሙ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዩክሬን ኣትዮም


ንሩስያን ዩክሬንን ንምቅርራብ፡ ብመራሕቲ ኣፍሪቃ ዝነቐለ ተበግሶ ኣብ ናይ ፈለማ ዑደቱ ሎሚ ዩክሬን ኣትዩ ኣሎ። እዚ ጕጅለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ስርዪል ራማፎዛ ዝምራሕ’ዩ።

ብፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስርዪል ራማፎዛ ዝምራሕ ልኡኽ መራሕቲ ኣፍሪቃ ሎሚ ኣብ ዋና ከተማ ኪቭ ዩክሬን ኣትዩ'ሎ። እቲ ንምሽምጋል ሩስያን ዩክሬንን ዓሊሙ ዝጕዓዝ ዘሎ ጕጅለ ኣብ ማዕርፎ ባቡር ነሚሻቨ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ብፍሉይ ልኡኽ ዩክሬን ኣብ ጉዳያት ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ከምኡ’ውን ኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዩክሬን ተቐቢሎሞ።

እቲ ጉጅለ ድሒሩ ናብ ከተማ ቡቻ ከም ዝበጽሐ መራሒ’ቲ እቲ ልኡኽ ፕረዚደንት ራማፎዛ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ኣመልኪቱ። ቡቻ ብሰራዊት ሩስያ ጃምላዊ መቕተልቲ ተገይሩላ ተባሂላ ኣቓልቦ ረኺባ ዝነበረት ከተማ’ያ። እቲ ብመራሕቲ ኣፍሪቃ ዝተበገሰ ዘተ-ሰላም ኣብ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ኣንድሪው ናይ ቡቻ ክካየድ ምዃኑ’ውን ፕረዚደንት ራማፎዛ ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ጠቒሱ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኲናት ዩክሬን ካብ ሃገራት ምዕራብ ነቕፌታ ክወርዳ ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ነቕፌታ ዝያዳ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ግን ንሩስያ ኣጽዋር ትሸጠላ ኣላ ዝብል ነቕፌታ ካብ ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ምውጻኡ’ዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ናይ ወርሒ ነሓሰ ርክብ መራሕቲ “ብሪክስ” ዝተባህለ ሕብረት፡ ንመራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣሲራ ከተረክቦ ትኽእል እንተዀይና ብዛዕባ ዘሎ ግምታት’ዩ።

እዚ ብፕረዚደንት ራማፎዛ ዝምራሕ ጕጅለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንናይ ሴነጋል ፕረዚደንት ማኪ ሳል፡ መራሕቲ ዛምቢያ፡ ኮሞሮስን ቀዳማይ ሚኒስተር ግብጺን ዘጠቓልል’ዩ። እቶም መራሕቲ ምስ ፕረዚደንታት ሩስያን ዩክሬንን ክራኸቡ ትጽቢት ይግበር።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ካብ ርክብ ክልተ ኣካላት፡ ኣብ መስርሕ ሰላም ተስፋ ክጻወትን ኣብ ስምምዕ ምስግጋር እኽሊ ጸሊም ባሕሪ ኣወንታዊ ተራ ክህሉዎን ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ ኣሎ።

መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብዚ ፈላሚ ዑደቶም፡ እቲ ቀዳማይ ኣጀንዳ ሰሪዖሞ ዘለዉ፡ ኣብ ክልተ ኣካላት ነብሰ-ምትእምማን ንምስፋን’ዩ። ኣብ መንጎ መራሕቲ ሩስያን ዩክሬንን ምትእምማን ምስ ዝሰፍን ድማ ኣብቲ ዝቕጽል ዝርርብ ሰላም ተስፋ ክህሉዎ ትጽቢት ይገብሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG