ዋሽንግተን —
ሕብረት ኣፍሪቃ ንቖርበት ክብሃል ማሕረዲ ኣእዱግ ዝኽልክል ሕጊ ኣፅዲቑ። ኣብ መዕፀዊ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ትማሊ ሰንበት ዝፀደቐ ስጉምቲ ኣብታ ክፍለ ዓለም ዝርከቡ 33- ሚሊዮን ኣእዱግ ንምክልኻል ዝኸይድ እዩ ተባሂሉ'ሎ።
ኣብ ቻይና ፀረ እርጋን ተባሂሉ ዝእመነሉ ኢጃኦ ዝብሃል መድሓኒት ንምቕማም ዝውዕል ንጥረ ነገር ንምፍራይ ኣእዱግ ብብዝሒ ይሕረዱ።
ዶንኪ ሳንኪችዋሪ ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወሰደ ስጉምቲ ታሪኻዊ እዩ ክብል ናእድኡ ገሊፁ።
እቶም እንስሳት "ሓቃዊ ዝኾነ ሓደጋ ምጥፋእ’’ ገጢሙዎም ኣለዎ ዝበለ እቲ ገባሪ ሰናት ነቲ መድሓኒት ዝውዕል በብዓመቱ 5.9 ሚሊዮን ኣእዱግ ይቕተሉ ኣለው ኢሉ።
ኣእዱግ ኣብ ድኻ ማሕበረሰብ ኣፍሪቃ ንመመላለሲ ማይ ሓዊሱ ንመጎዓዚያን መመላልሲ ኣቑሕትን ይጥቀምሉ።
ቅጥዒ