ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባል ጉጅለ-20 ኮይኑ


ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ኮሞሮስ ኣዛሊ ኣዙማኒ እቲ ሕብረት ኣባል ሃገራት ጉጅለ-20 ዝኣተወሉ ዓመት ዘኪሮም።

55 ኣባላት ዝሓቖፈ ሕብረት ኣፍሪቃ ልክዕ ከም ሕብረት ኣውሮጳ ቐዋሚ ኣባል ጉጅለ-20 ኮይኑ ኣሎ።

ኣቐዲሙ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ደቡብ ኣፍሪቃ ጥራሕ እያ ኣባል ጉጅለ-20 ዝነበረት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብቲ ደንበ ምፅንባሩ ሃገራት ጉጅለ-7 ዓብላሊ ተራ ኣብ ዝተፃወታሉ ጉጅለ-20 ንደቡብ ክፋል ዓለም ዝዓበየ ድምፂ ዝህብ እዩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ብቻይናን ሩሲያን ዝዕብለልን ቤጂንግ ንጉጅለ 20 ኣማራፂ ክኸውን እዩ ዝብል እምነት ዘሕደረትሉንጉጅለ ብሪክስ ንስዑዲ ዓረብን ኢራንን ኣባል ገይሩ ድሕሪ ምቕባሉ እዩ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG