ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ተዓዋትነት ኦታራ ኣረጋጊጹ፡ ናብ ሊብያ ሸምጋሊ ጉጅለ ንኽልእኽ`ውን ወሲኑ


ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ሊብያ እገዳ-በረራ ኾነ ካልእ ማዕቀብ`ውን ተቓዊሙ`ሎ።

ዓለም-ለኻዊ ኣፍልጦ ዝረኸቡ ኣላሳን ኦታራ፡ ፕረዘደንት ኣይቮሪኮስት ንምዃን ትማሊ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዓቢይ ድጋፍ ረኺቦም። “ብህዝቢ ዝተመረጽኩ ፕረሲደንት ምዃነይ ኣረጋጊጾምለይ ኢዮም፡ እዚ ናይ መወዳእታ ውሳነ`ዩ” ይብሉ ኦታራ።

እንተኾነ መንግስቲ ባግቦ ነቲ ውሳነ ነጺግዎ`ሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኦታራ ዝሓዘት ነፋሪት ናብ ኣይቮሪኮስት ክትምለስ ትኽእል እንተኾይና`ውን ጥርጣረ`ሎ።ነቲ ውሳነ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተቓወምዎ ፕረዚደንት ሎረን ባግቦ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ከጋጥም ንዝኽእል ኩናት-ሕድሕድ ተሓታቲ`ዩ ኢሎም

ብኻልእ ዜና፡ 5ተ መራሕቲ ዝርከባ ጉጅለ፡ ንተቐናቐንቲ ንምሽምጋል ናብ ልብያ ኸምትኸይድ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ`ሎ። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ሊብያ እገዳ-በረራ ኾነ ካልእ ማዕቀብ`ውን ተቓዊሙ`ሎ።

ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG