ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ጾታዊ ማዕርነት ንምርግጋጽ ዝወጹ ሕግታት በይኖም እኹላት ኣይኾኑን' ኣደ-መንበር ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ


ኣደ-መንበር ኮሚሽነር ብረት ኣፍሪቃ ዶ/ር ዲላሚኒ ዙማ
ኣደ-መንበር ኮሚሽነር ብረት ኣፍሪቃ ዶ/ር ዲላሚኒ ዙማ

ኣብ ስራሕን ሓላፍነትን ጾታዊ ውክልና ንምርግጋጽ ሕግታት በይኖም ኣኹላት ኣይኮኑ ኢለን ኣደ-መንበር ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ዶ/ር ዲላሚኒ ዙማ።

ኣብ 1987 ዓ.ም 13 ዝነበራ ደቂ-ኣንስትዮ ኣባላት ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 200 ምብጽሑ ድማ ኣብ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ፣ህጻናትን መንእሰያትን ዳይረክተር ጀነራል ኣምባሳደር ዶ/ር ደስታ ወልደዮሃንስ ተዛሪበን።

ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ መጋቢት 8 ኣብ መላእ ዓለም ተኸቢሩ ውዒሉ’ሎ።ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ብዝተፈላለዩ ስነስርዓት ተኸቢሩ’ሎ።ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ኣብ ምርግጋጽ ማዕረ ጾታዊ ውክልና ዘተኮረ ነይሩ።

እቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ትምህርቲ፣ስራሕን ሓላፍነት ቦታታትን ቁጽሪ ዝርከባ ደቂ-ኣንስትዮ ምስ ደቂ-ተባዕትዮ ክመጣጠን ይጽውዕ።ኣብዚ መዳይ ብደረጃ ዓለምን ኣፍሪቃን ውጽኢታት ከምዝተረኽቡ ዝሓበራ ኣደ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዶ/ር ዲላሚኒ ዙማ ብዙሕ ከምዝተርፍ ግን ኣይሓብኣን።

‘እቲ ዝተረኽበ ምምሕያሽ ሕጂ እውን እኹል ኣይኮነን።እኹል ኣይኮነን።ፍጥነቱ፤ስፍሓቱ ይኹን ዕምቀቱ እኹል ኣይኮነን።ብዝበለጸ ብዙሕ ክንሰርሕ ኣለና’ ኢለን።

ንሰን ብተወሳኺ ጾታዊ ማዕርነት ንምርግጋጽ ዝወጹ ሕግታት በይኖም እኹላት ስለዘይኮኑ ውጽኢታዊ ትግባረ የድሊ እዩ ኢለን።ከም ኣብነት ዝጠቐስኦ ንሰን ኣብ ዝመርሕኦ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘለው ብዝሒ ኮሚሽነራት እዩ።ካብ 10 ኮሚሽነራት ሓሙሽተ ደቂ-ኣንስትዮ ምዃነንን ነዚ ንምዕዋት ዝነበረ ፈተና ግን ቀሊል ከምዘነበረ ገሊጸን።

ኣብ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ መሪሕነት ቦታ ዝርከባ ደቂ- ኣንስትዮ ውክልና ክውስኽ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ መንግስቲ ይገልጽ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተሳተፋ ኣብ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ፣ህጻናትን መንእሰያትን ዳይረክተር ጀነራል ኣምባሳደር ዶ/ር ደስታ ወልደዮሃንስ ብፍላይ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ መጺኡ ዝበልኦ ውጽኢት ንቪኦኤ ገሊጸን።547 መናብር ዝሓዘ ፓርላማ ኢትዮጵያ ውክልና ደቂ-ኣንስትዮ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ ይብላ።

ንሰን ብተወሳኺ ዝተረኽበ ውጽኢት ዝለዓለ እንተኾነ እውን ሕጂ እውን ክስርሑ ዘለዎም ዝተረፉ ስራሕት ከምዘለው ዶ/ር ደስታ ገሊጸን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG