ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኢትዮዽያ፣ንዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ብዘርኣዊነት ይነቅፉ


Hailemariam D.
Hailemariam D.
ዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን፣ኣንፃር መራሕቲ ኬንያ ዝጀመሮ ክሲ፣ናብ ቤት ፍርዲ ኬንያ ንክምልሶ መራሕቲ ኣፍሪቃ ፀዊዖም።

ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን ምክትሎም ዊልያም ሩቶን፣ድሕሪ ኣብ 2007 ኣቆፃፅራ ኣውሮዻ ዝተሳለጠ ምርጫ፣ብቅለት 1,100 ሰባት ተሓተቲ‘ዮም ከምዝተባሃለ ዝዝከር‘ዩ።

ሎሚ ሶኒ ሪኢቶ ዝሃቡ ቀ/ሚ ኢትዮዽያን ኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ዕላማ ዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ብግፍዒን ሕማቅ ምሕደራን ንዝሕተቱ መራሕቲ ንምኽሳስ‘ዩ ነይሩ።ሎሚ ይኸውን ዘሎ ግና፣ኣፍሪቃውያን ስለዝኾኑ ጥራሕ ዒላማ ምግባር‘ዩ ኢሎም።

ኣተሓሓዚም“ኣብ ክንዲ ኣብ ጭቡጥ መርተዖ ተመስሪቱ ንገበናትን ቅፅዓትን ዘድህብ፣ኣብ ዘርኢ ተመርኲሱ ከምምህዳን‘ዩ ኮይኑ ዘሎ እቲ መስርሕ።ነቶም ፀገማት ፖለቲካዊ ፍታሕ ምንዳይ ኣገዳሲ‘ኳ እንተኾነ፣ካብ ሕገ-መንግስታዊ ኣገባብ ወፃኢ ንስርዓት ምልዋጥ እቲ ዓብዪ ብድሆና ኮይኑ ክቅፅል‘ዩ“ ኢሎም ንሶም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን፣እቲ ናይ መወዳእታ መማረፂ ክኸውን‘ዩ ዝግባእ ኢለን ኮምሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ንኮዛሳና ድላማኒ-ዙማ።

ኣብ ናይሮቢ ናይ ዝማእከሉ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ባዓል-ሞያ ሕጊ ሃሩን ኑባይ ግና፣ኬንያ ንከምዚኦም ዝኣምሰሉ ገዘፍቲ ጉዳያት ክትፈትሕ ዓቅሚ የብላን ይብል።
XS
SM
MD
LG