ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጥቓ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ ሰብኣዊ መሰላት ዝዝክር ማእኸል ክኽፈት እዩ


እቲ እምነ ኹርናዕ ኣብዝቕፅል ሰሙን ዝካየድ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ቅድሚ ምጅማሩ ከምዝቕመጥ ይዝረብ ኣሎ

ኣብ ቐፅሪ ሓዱሽ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ ዝኽሪ ሰብኣዊ መሰል ኣፍሪካ ከምዝምስረት ተፈሊጡ።

እቲ ዝኽሪ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ኣፍሪካዊያን ዝተፈፀሙ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ዝዝክር ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ እምነ ኹርናዕ ኣብዝቕፅል ሰሙን ዝካየድ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ቅድሚ ምጅማሩ ከምዝቕመጥ ይዝረብ ኣሎ።ትማሊ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ብሄራዊ ቲያትር ኣብዝተኻየደ ኣኼባ ከምዝተገለፀ ብፀዓዱ ዝተኻየደ ንግዲ ባርነት፡ብልዕልነት ፀዓዱ ዝተመስረተ መግዛእቲ፡በቢ ከባቢኡ ዝተኻየዱ ናይ ዘርኢ ምፅናፍ ስጉምትታትን ክሳብ ቐረባ ዝነበረ ናይ ደቡብ ኣፍሪካ ናይ ኣፓርታይድ ኣገዛዝኣን ከምኣብነት ተጠቒሶም ኣለው።

ናይቲ ዝኽሪ ህንፀት ኮሚቴ ኣካቢ ብምንስቴር ማዕረግ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምንስቴር ዝኾኑ ፕሮፌሰር እንድሪያስ እሸቴ ብዛዕባ ዕላማ እቲ መዘክር እንትገልፁ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ንፁሃን ኣፍሪካዊያን ዝተፈፀሙ ዘስካሕክሑ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ዝሕብር ቀዋሚ ምልክት ክኸውን እዩ ብዝብል ከምዝኾነ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG