ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብፂ ነቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘሕለፎ ውሳነ ተቃዊማቶ


Dr. Zuma
Dr. Zuma
ሕብረት ኣፍሪቃ፣ንኣግብፂ ካብ‘ቲ ኣህጉራዊ ማሕበር ምብራሩ ቅኑዕ ኣይኮነን፣እቲ ውሳነ ኣብ ጌጋ ዝተመርኮሰ‘ዩ ኢለን ኣማሪረን ልኡኽቲ ግብፂ።እቲ ሕብረት ናብ ግብፂ ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ንምስዳድ ይቀራረብ ኣሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ካብ ፕረዚደንት መሓመድ ሙርሲ ካብ ስልጣን ምውጋዶም ንግብፂ ንክእትገድ ዘሕለፎ ውሳነ ደጊሙ ክግምግሞ ፀዊዓ‘ላ።ፍልይቲ ልእኽቲ ግብፂ ኣምባሳደር ሙና ኦማር ውሳነ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘጉሂ‘ዩ ክብላ ይገልፀኦ፥

”እቲ ኣብ ግብፂ ዝተካየደ ለውጢ፣ብመሰረት ህዝባዊ ጠለብ ዝተፈፀመ ከምዝኾነ ንክነብርህ ኢና ናብ‘ዚ መፂና።ስለዚ ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ዘለው ኣሓትናን ኣሕዋትናን ንከሐጉዙና ኢና ንፅውዕ ዘለና” ኢለን።

ሰራዊት ግብፂ ንፕረዚደንት ሙርሲ ዓልዩ፣ንስልጣን ሕገ-መንግስቲ ኣፍሪሱ ጊዚያዊ ምምሕዳር ድሕሪ ምቋሙ፣ድሕሪ ክልተ መዓልታት ዝተሰየመ ኣፍሪዊ ሕብረት፣እቲ ለውጢ መንግስቲ ዝተገብረ ብዘይሕገመንግስታዊ ኣገባብ እዩ ኢሉ ንግብፂ ካብ ኣባልነት ሰሪዙዋ‘ሎ።

ዋና ፀሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ እንኮሳዛና ድላማኒ ዙማ፣ግብፂ ነቲ ኩነታት ንዘፅንዕ ጉጅለ ንክትቅበል ቅርብቲ ምኳና ገሊፃ‘ያ ይብላ።

ዙማ ወሲኸን ”እቲ ጉጅለ ልኡኽ ንክብገስ ኣብ ምርድዳእ በፂሕና‘ለና። ብድሕሪኡ ተመሊሶም ንኮምሽን ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ መብርሂ ክህቡን ካብኡ እንታይ ከምዝግበርን ክንውስን ኢና።ሓደ ነገር ንምጥቃስ ግና፣ ግብፂ ናብ ሕቊፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ብቅልጡፍ ንክትምለስ ድልየትና‘ዩ” ይብላ።

እቲ ናብ ግብፂ ዝላኣኽ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ንሰለስተ መራሕቲ ሃገራት ዝነበሩ ፕረዚደንታት ዘጠቃለለ‘ዩ።

ፍልይቲ ልእኽቲ ግብፂ ኣምባሳደር ሙና ብወገነን፣እቲ ኣብ ልዕሊ ግብፂ ዝተነበረ እገዳ፣ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ክላዓል‘ዩ ዝብል ገምጋም ኣለና ይብላ፣

“ብኣረኣእያና፣ግብፂ ብኣባልነታ ክትቅፅል የብላን ናብ ዝብል መደምደምታ ዘብፀሖም ባይታ ቅኑዕ‘ዩ ዝብል ገምጋም የብልናን።ስለዚ እቲ ጉጅለ ናብ ግብፂ ኣትዩ፣ኣብ ባይታ ንዘሎ ኩነታት ድሕሪ ምግምጋም፣ኣብ ግብፂ ተኸታታላይ ለውጢ ይካየድ ከምዘሎ ክድምድም‘ዩ” ባሃሊት‘የን ንሰን።

ጊዚያዊ መንግስቲ ግብፂ፣ሕገ-መንግስቲ ዳግም ክፅናዕን ኣብ‘ታ ሃገር ዴሞክራስያዊ ስርዓት ንምቋም ዘኽእል ምርጫ ከምዝካየድን ገሊፁ‘ዩ። ኣምባሳደር ሞና፣ፓርቲ ዝተዓለው ፕረዚደንት ሙርሲ ዝኾነ ሕውነታዊ ሙስሊም ግና፣ኣብ‘ቲ መስርሕ ፈፂሙ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ‘ዩ ይብላ።
XS
SM
MD
LG