ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣፍሪካ ወፍሪ ኣንፃር ትሕቲ ዕደመ መርዓ ጀሚሩ


African Union Logo
African Union Logo
ኣብ መብዛሕቲአን ሃገራት ኣፍሪካ 30 ሚእታዊ ኣዋልድ ትሕቲ 18 ዓመት ብዘይድልየተን ይምርዐዋ።ኣብ ኣፍሪካ ትሕቲ ዕደመ መርዓ ንኸብቅዕ ሕብረት ኣፍሪካ ናይ ክልተ ዓመታት ወፍሪ ሎማዕንቲ ጀሚሩ።

በብዓመቱ 14 ሚሊዮን ትሕቲ 18 ዓመት ኣዋልድ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ብሓይሊ ይምርዐዋ።እተን ሃገራት መብዛሕቲአን ኣብ ኣፍሪካ ይርከባ።
ጓል 16 ዓመት ኒጀራዊት ዘናቡ ወለዳ ንኽትምርዖ ካብ ቤት ትምህርቲ ከምዘውፅኡዋን ኣይምርዖን ስለዝበለት ሰብኣያ ምስቐጥቀጣ ናብ ወለዳ ሃዲማ ምስተመለሰት ንሳቶም እውን ከምዝገርፋዋ ትዛረብ።

ገና ብዕሸልነተን ዝምርዐዋ ኣዋላድ ናይ ኣህምሮ ስቓይ የጋጥመን።ብምኽንያት ጥንስን ሕርስን እውን ብፀገማት ጥዕና ይሳቐያ።ስድራ መብዛሕቲአን ኣዋልድ ዘይተምሃሩን ኣብ ገጠራት ዝነብሩን ብምዃኖም ኣዋልድ ንናይ ስድርአንን ማሕበርሰብን ባህላዊ ሕግታት ክቃወማ ኣይክእላን።
ትሕቲ ዕደመ መርዓ ንኸብቅዕ ዝዓለመ ሕብረት ኣፍሪካ ዝጀመሮ ወፍሪ ዘተኩር ኣብ ፖልስን ኣፍልጦ ክብ ኣብ ምባልን እዩ። ዳይረክተር ኮምሽን ማሕበራዊ ጉዳያት ሕብረት ኣፍሪካ ኦላዋሌ ማየጉን መንግስታት ኣፍሪካ ንህፃናት ዝከላኸል ሕጋዊ መስርሕ ክትግብሩ ይፅውዑ።
ካብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ኒጀርን ቻድን ብዝለዓለ ደረጃ ማለት እውን ልዕሊ 70 ሚእታዊ ትሕቲ ዕደመ መርዓ ዝፍፀመለን ሃገራት እየን።

ናይ ጥዕናን ትምህርትን ከምኡ እውን ጉዳያት ሕግን ሓዊሱ ዓሰርተ ምንስትርታት መንግስታት ኣፍሪካ ትሕቲ ዕደም መርዓ ንኽንኪ ሓቢሮም ይሰርሑ ኣለው።
ትሕቲ ዕደመ መርዓ ንኸብቅዕ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝካየድ ወፍሪ ብምትሕብባር መንግስታት ኣፍሪካ፣ዩኒሴፍን ትካላት ስቪል ማሕበራሰባትን እዩ።

ትሕቲ ዕደመ መርዓ ንኸብቅዕ ሎማዕንቲ ሓሙስ ብሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተጀመረ ወፍሪ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ህፃናት /ዩኒሰፍን/ ናይ ሕቡራት መንግስታት ፋንድ ስነህዝቢ ዩኤንኤፍፒኤን ከምዝድግፉ ኣብ ዘውፅኡዎ ሓባራዊ መግለፂ ኣፍሊጦም ኣለው።
XS
SM
MD
LG