ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበር ዜና:ሕብረት ኣፍሪቃ ንውግእ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሽምግሉ ልኡኻት መሪጹ

President Cyril Ramaphosa delivers his State of the Nation address at parliament in Cape Town, South Africa, February 13, 2020. REUTERS/Sumaya Hisham
President Cyril Ramaphosa delivers his State of the Nation address at parliament in Cape Town, South Africa, February 13, 2020. REUTERS/Sumaya Hisham

ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ውግእ ዝተጸመዱ ወገናት ዘላዝቡ ስለስተ ፕረዚደንታት ሃገራት ዝነብሩ ሸምገልቲ ከምዝተመዘዙ፣ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ንፕረዚደንት ኢትዮጵያ ወ/ሮ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊጾምለን።

እቶም ኣቦ ወንበር ብቲዊተር ኣብ ዝዘርግሑዎ መልእክቲ እዮም ነዚ ዘፍለጡ።

እቶም ንሽምግልና ዝተመዘዙን ፍሉያት ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃን ንክኾኑ ብፕረዚደንት ሲረል ራማፎዛ ዝተሾሙ መራሕቲ ነበር፣ ፕረዚደንት ሞዛምቢክ ዝነበሩ ዮአኪም ቺሳኖ፣ መራሒት ሴራልዮን ዝነበራ ኢለን ጆንሰን ሰርልፍን ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ካሌማ ሞታንቴን እዮም።

ሰለስቲኦም ልኡኻት ናብ ኢትዮጵያ ተበጊሶም፣ ኣብ ፌደራል ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ንዝጻብኡ ወገናት ኣብ ምሽምጋል ከምዘሕግዙ ፕረዚደንት ሲርይል ራማፎዛ ንፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ከምዝገለጹለን ተፈሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG