ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣስታት 90 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ንሶማል ክወሃብ ምሕፅንታ ኣቕሪቡ


ፋይል
ፋይል

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ንዘዋፈሮ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ዝውዕል 90 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ትማሊ ረቡዕ ሓቲቱ። እቲ ዓቃቢ ሰላም ኣንፃር ጥሩፋት ተዋጋእቲ ኣል-ሸባብ ንዝካየድ ኲናት ውግእ ሓገዝ ይህብ።

ኮሚሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት ፣ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዲዮየ ዝተፈጠረ ኽፍተት በጀት እንተድኣ ዘይተማሊኡ ልዕሊ 19,600 ድልዱል ሓይሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝግባእ ዕማሙ ኣይክፍፅምን ኢሉ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ሓይልታት ሶማል ንናይታ ሃገር ፀጥታ ኣብ መወዳእታ 2024 ኣ/ፈ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝቆፃፀሩዎ መሰጋጋሪ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ዝብል ሓዱሽ ልኡኽ ኣፅዲቑ እዩ።

ኣምባሳደር ኣዲዮየ ሓይሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝቕፅሉ 21 ኣዋርሕ ከስርሖ ዝኽእል ገንዘብ እንተድኣ ዘይረኺቡ ኣል-ሸባብ ኣብ ሶማል ናይ መንግስትነት ሓላፍነት ክወስድ እዩኢሉ።

XS
SM
MD
LG