ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማል ብዙሓት ብጥምየት ዝሞቱ ዘለው ስአን ዓለም-ለኸ ተገዳስነት'ዩ ክብል ሕብረት ኣፍሪቃ አፍሊጡ


ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ኤርትራውያን ናይ ጥምየት ምልክት አይረአናሎምን ኢሉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት UNHCR

ጥምየት ኣብ ዘጥቅዓ ሶማል ብዙሓት ሰባት ዝሞቱሉ ዘለው ምኽንያት ዓለም ንስቓዮም ተገዳስነት ስለ ዘየርአየ'ዩ ክብል ሕብረት አፍሪቃ አፍሊጡ።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ እያን ፒንግ ከምዝበልዎ ጥምየት ሶማል ኣቀዲምካ መጠንቀቅታ ብምሃብ ህይወት ምድሓን እናተኻእለ ብዘየድሊ ህይወት ሰብ የጥፍእ'ሎ ክብሉ ገሊፆም።

ግን ኣብ ቀረባ ኣብ ሞቓድሾ ዝተራእየ ፀጥታዊ ምምሕያሽ ኣብ ሰብአዊን ፀጥታዊን መዳያት ንሓድሽ አንፈት ኣጋጣሚ ሂቡ'ሎ ክብሉ እያን ፒንግ ኣብቲ ንቤት-ምኽሪ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት አፍሪቃ ዘቅረብዎ ፀብፃብ ገሊፆም።

ኮሚሽነር ሰላምን ፀጥታን ሕብራት አፍሪቃ ራምታነ ላማራ ብወገኖም ኣብዚ ሰሙን'ዚ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ አኼባ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ሓዊሱ ሶማል ብዝምልከት ዘሎ ተገዳስነት ከምዘተባብዖም ተዛሪቦም፣ ሕቡራት መንግስታት ነቶም ኣብ ዞባታት ጥምየት ተገዲዖም ዘለው ሶማልያውያን ንምሕጋዝ ሰብአዊ ሓገዛት ዝመሓላለፈሉ መስመር ክፍጠር መሪሕ ግደ ክፍፅም አለዎ ኢሎም።

ብኻልእ ወገን አብ ኢትዮጵያ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት ሓላፊ ርክባት ህዝቢ አቶ ክሱት ገብረእግዙአብሄር ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ አስታት 35-ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሓዙ 3-መዕቆቢ ስደተኛታት ከምዘለው ገሊፁ።

እቶም ስደተኛታት ከም ፀገም ካብ ዘቅርብዎም ገለ መወዳእታ ዘይብሉ ወታሃደራዊ አገልግሎትን ካልኦት ከበድቲ ምግሃሳት መሰላትን ምኻኑ ዝገለፀ አቶ ክሱት ምስ ደርቂን ጥምየትን ብዝተተሓሓዘ ካብ ኤርትራ ዝተሰዱ'ዶ አለው ንዝብል ሕቶ "ብዙሕ አየስተውዓልናን፡ ኣብቶም ዝመፁ ሰባት'ውን ናይ ጥምየት ምልክት ብዝተፈልየ መልክዕ ዝረአናዮ የለን" ኢሉ።

አስዒቡ እቶም ዳሓር ዝመፁ ዘለው ካብቶም ቅድም ዝመፁ ዝተፈልየ ነገር አይረኣናሎምን ክብል ገሊፁ።

XS
SM
MD
LG