ኣዲስ ኣበባ —
ኣብቲ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ ኣብ ሶማልያ ዝምደብ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ተልእኮ ሰላም ዝሳተፋ ሃገራት መነመን ምዃነን ገና ከም ዘይተወሰነ እቲ ሕብረት ኣፍሊጡ።
ኮሚሽነር ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዶየ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ክዛረብ ከሎ፡ ኣብቲ ተልእኮ ክሳተፋ ዝደልያ ሃገራት ሕቶአን ኣብ ምቕባል ኢና ዘለና ኢሉ።
ንሱ ኣስዒቡ“ገና ኣብ መስርሕ ኢና ዘለና፡ ሕቶ ምስ ዘቕረባ ሃገራት ከምኡ`ውን ምስ ፈደራል መንግስቲ ሶማልያ ንማኸር ኣለና” ኢሉ ።
ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ መረዳድኢ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራማ፡ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ሞቓድሾን ምስሕሓብ እናዓረገ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ ።
ሚንስተር ምክልኻል ሶማልያ ዓብደልቃድር መሓመድ ኑር፡ ኢትዮጵያ ንልኡላውነትን ሓድነትን ሶማልያ ትጥሕስ ስለዘላ ኣብቲ `ኣትሚስ` ዝብሃል ሓዲሽ ተልእኮ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ክትሳተፍ ኣይክፍቀደላን እዩ ምባሉ ይዝከር።
ወሃቢ-ቃል ጉዳያት ሚንስተር ወጻኢ ኢትዮጵያ ነብያት ጌታቸው ብወገኑ፡ ሃገሩ ኣንጻር ኣልሸባብ ምውግኣ ክትቅጽል`ያ ኢሉ ኔሩ።
ቅጥዒ