ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣፍሪቃ: ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃን ፕረዝደንት ፈረንሳ ንጸብጻብ መሸጣ ስደተኛታት ሊብያ ብትሪ ኮኒኖም


ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ሊብያ ዝቕጽል ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታት ብትሪ ኮኒኑ።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃመት ሶሉስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ አባል ሃገራት ነቲ ዘድልይ ጸጋታተን ብምልላይ ንስቅያት ስደተኛታት ከብቕዕ ክሰርሓ ጸዊዖም።

ንሶም እቲ ቀንዲ ሓገዝ ነቶም ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ኣብ ምውጻእ ዘድልይ ምኳኑ’ውን ሓቢሮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ዝተመዝገቡ ኣስታት 43,000 ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ይርከቡ። ነቶም ኣብ ሊብያ ዝርኸቡ ስደተኛታት ንምጥያስ አጸጋሚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምክንያት ድማ ድሕሪ ናይ 2014 ኩናት ሓድሕድ’ታ ሃገር መብዛሕትኣን ሃገራት ኤምባሲታተን ኣብታ ሃገር ምዕጻወን እዩ ኢሎም።

ሕብረት ኣፍሪቃን ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ንጸብጻብ መሸጣ ስደተኛታት ሊብያ ኮኒኖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:19 0:00

መብዛሕትኦም እቶም ብሊብያ ኣቢሎም ኣውሮጳ ንምብጻሕ ዝጉዓዙ ስደተኛታት ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝመጹ ምኳኖም’ውን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሶኑይ ካብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ጀነቫ መግለጺ ዝሃቡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተርስ ነቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ መሸጣ ስደተኛታት ዝምልከት ዝወጸ ጸብጻብ ከምዘሰንበዶም ገሊጾም።

ንሶም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ እቲ ብመደበር ቴሌቭዥን ሲኤንኤን ዝተመሓላለፈ ጸብጻብ መሸጣ ስደተኛታት ከም ግልያነት ሰንብድ መቓልሕ እቲ ዘመናት ዘሕለፈ መሸጣ ግልያነት እዩ ክብሉ ገሊጾሞ።

ንሶም ብተወሳኺ እቲ ጉዳይ ብዝምልከቶም አካላት፡ ሕቡራት ሃገራት ወሲኹ ምሉእን ዝርዝርን ምርመራ ክኻየድ ብምሕታት “ ግልያነት ኣብዚ ዓለምና ቦታ የብሉን፡ እዞም ፍጻሜታት ድማ እቲ ዝኸፍአ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ ምስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዊነት ዝጽብጸብ’ዩ” ኢሎም።

ፕረዝደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማርኮ ምስ ፕረዝደንት ጊኒን ኣልፋ ኮንደ ድሕሪ ምርኻቦም እቲ ብመደበር ቴሌቭዥን ሲኤንኤን ዝተመሓላለፈ ንመሸጣ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ዘርእይ ጸብጻብ ዘነውርን ዘይቕቡልን እዩ ኢሎም።

“ ፈረንሳ ነዚ ስጉምቲ ብትሪ ትኹንን። ኣብ ሕቶ ዝአትው ኣይኮነን ብዛዕባ እዚ ፍጻሜ ስጉምቲ ክንወስድ ንደልይ ኢና። ብመጀመርያ ፈረንሳ ንኩነታት ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ዝምልከት ኣብ ውሽጢ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ንዝውሰድ ስጉምቲ ተበግሶ ክትወድስ እያ። ነዚ ብዝምልከት ትማሊ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ክትዕ ተጀሚሩ’ሎ። እዚ ድማ ናብ ጭቡጥ ስጉምትን መፍትሒን ከምርሕ ኣለዎ። ድልየተይ ከምዚ ዓይነት ገበን ንዝፍጽሙ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ዝኻየድ ቃልሲ ልዑል ኽከውንንን ሃገራት እቲ ዞባ ድማ ኣብቲ ጉዳይ ክተሓባበራን እዩ።"

ፕረዝደንት ኮንደ ሕብረት ኣውሮጳ ሰበ ስልጣን ሊብያ ነቶም ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ክጸንሑ ብምፍቓዶም ነቲ ሕብረት ይነቕፉ።

ሊብያ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ተበጊሶም ኣውሮጳ ንምብጻሕ ንዝጉዓዙ ስደተኛታት ቀንዲ መተሓላለፊ ቦታ እዩ ብተወሳኺ ማእከላይ ባሕሪ ከቋርጹ ዝተታሕዙ ስደተኛታት ዝጸንሕሉ መዳጉኒ ማእከላት’ውን እቲ ቀንዲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኻየደሎም ቦታታት ምኳኖም ጉጅለታት ተሓለቕቲ መሰላት ይገልጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG