ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ተኸታታሊ ዓለምለኸ ቅልውላው ICG ሰላማዊ ማዕልቦ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጸዊዖም


ኣደ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዶክተር ዶላሚኑ ዙማኣብ ዘውጽአኦ መግለጺ ኣብ ግንባር ጾሮና ዝተፈጥረ ጎንጺ ኣዝዩ ከምዘሻቕለን ገሊጸን።

መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ኩነታት ከጋዾ ካብ ዘኽኣሉ መግለጺታትን ርእይቶታትን ክቑጠቡን እዚ ብምግባር ንጸጥታ እቲ ከባቢ ከየናውጾን ሓቲተን።


እዚ ከምዚሉ እንከሎ፤ ተከታታሊ ዓለምለኸ ቅልውላው ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዚ ናይ ሎሚ ጎንጺ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንኽልቲአን ሃገራት መበራበሪ መጸዋዕታ ዩ ብምባል ነቲ ዝጸንሐ ኣይሰላም ኣይኩናት ንምፍታሕ ክልቲአን ሃገራትኮነ ዝግደሱ ወገናትን ኣካላትን መንግስታትን ክሰርሑ ይግባእ ክብል ጸዊዑ።

XS
SM
MD
LG