ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምፍታሕ መራሕቲ ፖለቲካ ዝሃቦ መግለጺ ብታሕጓስ ተቐቢለዮ ኣለኹ' ይብል ሕብረት ኣፍሪቃ


ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣዲሳበባ
ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣዲሳበባ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንእሱራት መራሕቲ ፖለቲካ’ታ ሃገር ብምሕረትን ኣብ መስርሕ ፍርዲ ንዝርከቡ ድማ እቲ መስርሕ ተቛሪጹ ንክፍትሑ ዘሕለፎ ውሳነ ‘ኣርሒቑ ጠማቲን ዘተባብዕን እዩ’ ክብል ገሊጽዎ ሕብረት ኣፍሪቃ።

ወሃቢት ቃል ኣቦ መንበር’ቲ ሕብረት ኤማ ኮሎንዶ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ ምልልስ ‘ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ማሕበረ-ሰብ ሕብረት ኣፍሪቃን፣ ንፖለቲካዊ ውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብታሕጓስ ተቐቢሎምዎ ኣለው’ ኢላ’ላ።

‘ስጉምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘተባብዕን ረባሒን’ዩ’ ዝበለት እታ ወሃቢት ቃል ‘ሃገራዊ ምርድዳእን ተገዳስነትን ከምኡውን ምዕሩይን ነባራይን መቐሎ ጸጋታት ዝፈጥርን ፖለቲካዊ ባይታ ዘስፍሕ ቅሩብነት ከምዘሎን’ ሓቢራ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:55 0:00

XS
SM
MD
LG