ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማዕበል ኣፍሪካዊያን ስደተኛታት ጠጠው ንምባል ልምዓት ወሳኒ እዩ ኢሎም መራሕቲ ኣፍሪካ


መራሕቲ ኣፍሪካ ማዕበል ብደም ዝጠልቀየን ተስፋ ናይ ዝቖረፁን ኣፍሪካዊያን ስደተኛታት ደው ንምባል ልምዓት ወሳኒ እዩ ኢሎም።ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ ዝተኻየደሉ ካብ ጆሃንስበርግ ሪሒቑ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቀረባ እዋን ልዕሊ 100 ሽሕ ኣፍሪካዊያን ስደተኛታት ብኣናእሽቱን ዝተፀቓቐጣን ጀልባታት ኣቢሎም ብሓደገኛ መንገዲ ንሜድትራኒያን ሰጊሮም እዮም።ኣብ ኣውሮፓ ሓድሽ ናብራ ንምምራሕ።

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ኣውርፓዊያን ኣቆፃፅራ ልዕሊ 102 ሽሕ ዝግመቱ ሰባት ብከምዚ ዓይነት ሓደገኛ ጉዕዞ ንምውስጋር ከምዝፈተኑ ይገልፅ።መብዛሕቲኦም ስደተኛታት ካብ ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪካ እዮም።ዘይምዕዳል ኮይኑ ግን ኩሎም ኣይሰለጦምን።ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 1,800 ሰባት ኣብ ሜድትራኒያን ጠሊቖም ኣለው።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ንጉባኤ ዝተኣከቡ መራሕቲ እቲ ፀገም ካብ ገዛ ይጅምር ይብሉ።ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ብጠንቂ ዘጋጥም ግጭት፣ሸቕሊ ኣልቦነን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ከምዝስደዱ ይገልፁ።ናይ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሬዝዳንት ጃኮብ ዙማ መራሕቲ ሓለፍነት ተክሽከሙ ኣለዎም ይብሉ።

‘’ኣፍሪካዊያን ኣሕዋትና፣ኣሓትና፣ኣዴታት፣ኣቦታትን ህፃውንትን ካብ ኲናት፣ድኽነት፣ግፍዕን ሸቕሊ ኣልንቦነትን ብምህዳም ንዝሓሸ ናብ ኣውሮፓ ክሰግሩ ኣብ ዝፍትንሉ እዋን ህይወቶም ክስእኑ ብስቓይን ሕፍረትን ተዓዚብና ኢና’’ ኢሎም ፕሬዝዳንት ዙማ።ኩላትና ክንኽሰሰሉ ዝግባእ ስለዝኾነ መነባብሮ ህዝብና ንምምሕያሽ ፃዕርታትና ብዕፅፊ ክነሐይል ዝሓትት ፀገም እዩ እውን ኢሎም ብምውሳኽ።

ኣዶ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኒኮዛዛና ድላሚኒ-ዙማ ሃገራት ኣፍሪካ ንምዕባለ ቆሪፀን እንተድኣ ተላዒለን ተስፋ ኣለና ኢለን።ንክእለታት ቴክኒክን ሙያን ሓዊሱ ንሰባት ሳይንስ፣ ምህንድስና፣ ቴክኖሎጂ፣ ሒሳብን ምህዞን ትኹረት ሂብና ንሰባት እንተሚህርናዮምን እንተሰልጢናዮምን ብሳሕልን ሜድትራኒያን ባሕርን ዝገብርዎ ሓደገኛ ጉዕዞ ጠጠው ከብሉዎ እዮም ኢለን።ከምዚ ብምግባር ኣኽረርቲ፣ዕጡቓት ኣሸበርቲ ጉጅለታት ንመናእሰያትና ክምልምሉ ከፀግመሎም እዩ እውን ኢለን።

ኣብቲ ጉባኤ ቀንዲ መዘራረቢ ክኸውን ተስፋ ካብ ዝተውሃቦም ኣርእስትታት ሓደ ዝኾነ እዚ ኣዚዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ብናይ ሱዳን ፕሬዝዳንት ኦማር ኣል-በሽር ዜና ተዋሒጡ እዩ።

XS
SM
MD
LG