ዋሽንግተን —
ኣብ ደርባን ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ 2002፡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኽቡሉ እዋን እዚ ሕጂ ሒዙዎ ዘሎ ስም ዝተጠመቐ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሎሚ 9 መስከረም 2024 መበል 20 ዓመቱ ይጽንብል ኣሎ። ኣቐዲሙ ብውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ዝጽዋዕ ዝነበረ ምትእኽኻብ መራሕቲ ሃገራት እታ ኣህጉር፡ ንኣፍሪቃ ናብ ዝለዓለ ምትሕብባር ንምጥርናፍ ብዝብል ዕላማ ውዕል ሲርተ ፈሪሙ።
ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣቐዲሙ ነተን ካብ ኤውሮጳዊ መግዛእቲን ስርዓት ኣፓርታይድን ንምቅላስ ዓሊሙ ዝሰርሕ ዝነበረ ኰይኑ፡ ድሒሩ ግን ኪንዮ መግዛእቲን ምፍራስ ኣፓርታይድን ናብ ኣህጉራዊ ሕብረትን ቍጠባዊ ምትእስሳርን ዝሰፍሐ ምትእኽኻብ ንምዃን ብዝብል ዕላማ’ዩ ሓድሽ ውዳበ ጀሚሩ።
ቅጥዒ