ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ውጽኢት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ንምቕያር ምስ ሩስያ ኣይተመሳጠርኩን” ጠ. ዓቓቢ ሕጊ


ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣሜሪካ ጄፍ ሰሽንስ
ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣሜሪካ ጄፍ ሰሽንስ

ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣሜሪካ ጄፍ ሰሽንስ ውፅኢት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ንምቕያር ምስ ሩሲያ ኣይተመሳጠርኩን ኢሎም።ትማሊ ሶሉስ ኣብ ቅድሚ ኮሚቴ ሰኔት ቃለ ምስክርነት ዝሃቡ ሰሽንስ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዳይረክተር ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት መርመራ ኣሜሪካ (FBI)ንዝነበሩ ጄምስ ኮሚ ምብራሮም ተኸላኺሎም፤ምስቶም ፕረዝደንት ዘካየድዎ ዝርርብ ንምግላፅ ግን ቅሩብ ከምዝይኾነ ሓቢሮም።

ጠቕላሊ ዓቓቢ ሕጊ ኣሜሪካ ዝኾኑ ሰሽንስ ላዕለዋይ ደጋፊ ወፍሪ ምርጫ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ብዛዕባ ምርጫ ምስ ናይ ሩሲያ ኣምባሳደር ተዘራሪቦም እንተኾይኖም ተሓቲቶም ከምዚ ክብሉ መሊሶም።

“ብዛዕባ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ምትእትታው፡ ኣብ ወፍሪ ወይ ምርጫ ኣሜርካ ዝምልከት ምስ ዝኾነ ይኹን ሩሲያዊ ወይ ዝኾነ ይኹን በዓል ስልጣን ወፃኢ ኣይተራኸብኩን ወይ ኣይተዘራረብኩን።ምስ ወፍሪ ምርጫ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ርክብ ዘለዎ ዝኾነ ሰብ ከምኡ ዝበለ ዝርርብ ገይሩ እንተኾኑ እውን ዝፈልጦ የብለይን። “

ሰሽንስ ምስ ሩሲያ ተመሳጢሮም ንዝብል ሓሳብ ‘ዘፀይፍን ዘፅልእን ሓሶት’ ክብሉ ብትሪ ነፂጎምዎ ኣለው።

እቶም ዋና ዓቃቢ ሕጊ ካብ ናይ ሩሲያ ምርመራ ንርእሶም ዘግለልሉ ምኽንያት ጌጋ ስለዝፈፀሙ ዘይኮነስ ንኣሰራርሓ ክጥዕም እዩ ኢሎም።

ዳይረክተር ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት መርመራ ኣሜሪካ (FBI) ዝነበሩ ጄምስ ኮሚ ቃለ ምስክርነቶም ድሕሪ ምሃቦም ድሕሪ መዓልታት እዮም ሰሽንስ ቃሎም ዝህቡ ዘለው።

እቶም ፕረዝደንት ንኮሚ ንምብራር ምውሳኖም ዝደገፍኩዎም እቲ ትካል ከም ብሓድሽ ስርሑ ክጅምር ካብ ዝነበረኒ ድልየት እዩ ኢሎም።ኮሚ ዝተባረሩሉ ምኽንያት ይካየድ ምስ ዘሎ ናይ ሩሲያ ምርመራ ዝተሳሰረ እንተኾይኑ ተሓቲቶም ኣብ ክንዲ እቶም ፕረዝደንት ኮይነ ኣይምልስን ክብሉ መልሶም ሂቦም።

ዴሞክራሲያዊት ኣባል ኮሚቴ ስለያ ሰኔተር ዳያን ፌይንስተይን ንዝሓተትኦ ሕቶ “ብዛዕባ ናይ ኮሚ ምብራር ምስቶም ፕረዝደንት ዋላ ሓደ ናይ ቃል ዝርርብ ኣየካየድኩምን ማለት ድዩ?”

“ምስቶም ፕረዝደንት ዘካየድኩዎም ናይ ውልቂ ዝርርብ ምሳኹም ክዘራረበሉ ፍቓደኛ ኣይኮንኩን፤ከረጋግፆ ወይ ክነፅጎ እውን ኣይክእልን እዩ” ኢሎም።

ሰሽንስ እቶም ፕረዝደንት ነቲ ዝርርብ ምስጢር ኮይኑ ክቕፅል ናይ ምግባር መሰል ኣለዎም ኢሎም ።

ገለ ሪፓብሊካዊያን ምስ ሩሲያ ምስጥራዊ ርክባት ነይሩ ንዝበሃል ክሲ ምስ ናይ ስለያ ልቢ-ወልደ ድርሰት ብምንፅፃር ንሰሺን ተኸላኺሎምሎም።

ብመሰረት ፀብፃባት ዜና ጄፍ ሰሺንስ ካብ ናይ ሩሲያ ምርመራ ንርእሶም ምግላሎም ንፕረዝደንት ትራምፕ ኣጉህዩዎም ነይሩ።እቶም ዋና ዓቃቢ ሕጊ ግን ነዚ ኣይረጋገፁዎን።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG