ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፓኪስታን ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 9 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ፓኪስታን ኣብ ሓደ መንግስታዊ ናይ ሕርሻ ማእኸል ምርምርን ኣብ ጥቕኡ ንዝነበረ ናይ ዩኒቨርስቲ መዕረፊ አጋይሽ ብኸቢድ ዝተዓጥቑ ርእሰቕትለታዊያን ወሪሮም ብምሓዝ እንተወሓደ ን9 ሰባት ብምቕታል ንካልኦት ልዕሊ 35 ድማ ኣቑሲሎም።

ፖሊስን ፀረ ግብረሽብር ኣሃዱታትን ፓኪስታንን ብቕልጡፍ ነቲ ከባቢ ብምኽባብ ናይ ህይወት ምድሓን ስርሒት ኣብዝጀመርሉ ምስቶም ግብረሽበራዊያን ንሰዓታት ዝቐጸለ ናይ ቶኽሲ ልውውጥ ምክያዱን ሰለስተ ካብቶም ናዕበኛታት ምቕታሎም ተፈሊጡ’ሎ።።

መብዛሕቲኦም ግዳያት ናይ ሎሚ ዓርቢ መጥቓዕቲ ተማሃሮ ምዃኖምን ኣብ ሆስፒታል ከምዘለውን ተገሊጹ’ሎ።

ናአሽቱ ብረታትን ጠያይትን፣20 ናይ ኢድ ቦምብታትን ሰለስተ ዘይተተኮሱ ናይ ቦምብ መዕጠቕን ከምዝተረኽበን ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ስለዝገጠሙዎም እቲ ናይ ርእሰቕትለታዊ ቦምብ ንምትዃስ ዕድል ከምዘይረኸቡን ናይቲ ከባቢ ሓላፊ ፖሊስ ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG