ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዕጡቓት ብዝኸፈትዎ ተዅሲ 10 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ዞባ መተከል ከተማ ግልገል በለስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓርቢ ብዕጡቃት ብዝኸፈትዎ ተዅሲ ሰላማውያን ሰባት ምቕታሎም ነበርቲ ሓቢሮም።

ነበርቲ’ታ ከተማ ኣብታ ዕለት ድሕሪ ቀትሪ ብልምዲ ካምፕ ቻይና ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ዕጡቓት ብዝኸፈትዎ ተኹሲ 10 ሰላማውያን ሰባት ክቅተሉ ከለዉ ካልኦት ልዕሊ ትሸዓተ ሰባት ድማ ቆሲሎም ኣብ ሕክምና ከምዝርከቡ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ነቲ ቅትለት ዝፈፀሙ ኣብ በረኻ ዝነበሩን ብዕርቀ ሰላም ካብ መንጎ ዝተመለሱ ጉሕዴን ዝተባህለ ሓይሊ ዕጥቆም ዘይፈትሑ ሓይልታት‘ዮም ክብሉ ዝገለፁ ነበርቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳም ጀሚሩ ናብ ጎረቤት ከተማ ፓዌ ክስደዱ ምግዳዶም'ውን ገሊፆም።

ኣቦ መንበር ዲሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ህዝብታት ጉምዝ ኣቶ ግራኝ ጉደታ ኣብዚ መጥቃዕቲ ኢድ ኣለዎም ብዛዕባ ዝተባህሉ ዕጡቃት ምስ መንግስቲ ኾይኖም ይፃርይዎ ምህላዎም ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም።

ካብ መንግስቲ’ቲ ክልል ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተካየደ ፈተነ ግን ከም ከምዘይሰለጠ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ’ላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG