ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደብ ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ ናብ ስፖርታዊ በዓል ኣትላንታ ጆርጅያ ተቕንዕ


ናይ ዓበይትን ክሳብ ትሕቲ 7 ዓመት ዕድመ ዝሓዛን ልዕሊ 40 ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ተሳቲፈን ኔረን ኣብ`ቲ ንሓደ ሰሙን ዝቐጸለ ፈስቲቫል ስፖርት ኤርትራውያን ሰሜን ኣመሪካ።

ሻምፒዮን 2016 ብምዃን ዝዓበየት ዋንጫ ዝዓተረት ጋንታ ሳንፍራስስኮ ዳህላክ ክትከውን ከላ፡ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ዝዛዘመት ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመጸት ጋሻ ጋንታ ለንደን `ውን ካብ ተዓዘብቲ ዓቢይ ኣድናቖትን ፍቕርን ተለጊሱላ`ዩ።

ካልእ ካብ ዝጥቀሳ ጋንታታት ድማ፡ U-17 ሒዛ ዝተሳተፈት ጋንታ ስቶን ማውንተይን`ያ፡ ንጋንታ መነሶታ ብምስዓር ዋንጫ ጨቢጣ።

ኣብ`ቲ በዓል ናይ ክብሪ ዕዱም ኮይኑ ዝተሳተፈ የማነ ካሕሳይ(ኣቻዮ) ክኸውን ከሎ ካልኦት ከም ተፈራ ገብረክርስቶስ ዝበሉ ናይ ቀደም ተጻወቲ`ውን ተረኺቦም ኔሮም።

ምሉእ ጸብጻብ ተወልደ ወልደገብሬል ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

መደብ ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ ናብ ስፖርታዊ በዓል ኣትላንታ ጆርጅያ ተቕንዕ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:27 0:00

XS
SM
MD
LG