ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድድራት ኣትሌትክስ ዴጉ-ደቡብ ኮርያ ተፈፂሙ


IAAF
IAAF

ዩስ፣ሩስያን ኬንያን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ተሰሪዔን'ለዋ

ኣብ‘ቲ ደቡብ ኮርያ እናተኣናገደቶ ዝቀነየት መበል 13 ኣድማሳዊ ውድድራት ዝተፈላለየ ርሕቀት ኣትሌትክስ፣ኣሜሪካ፣ሩስያን ኬንያን ዝበዝሐ ሜዳልያታት ብምዕታር ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኮይነን ዛዚመነኦ።ጃማይካ፣ጀርመን፣ዓባይ ብሪጣንያን ሰሜን ኣየርላንድን፣ኢትዮዽያ ካብ ራብዓይ ክሳብ ሻውዓይ ተሰሪዔን‘ለዋ።

ሰማንያ ሃገራት ኣብ ሰደቃ ውፅኢት ተሰሪዔን‘ለዋ።ኢትዮዽያ መበል ሸውዓተ ኤርትራ መበል 49 ኣለዋ።

ኣብ ዝርዝራዊ ነጥብታት ኣቲና ክንዛረብ ጊዜ ኣይክህልወናን።እንተኾነ ምስ ናይ ሕሉፍ ውፅኢት ሜዳልያታት ኣነፃፂርካ ኣትሌታት ኢትዮዽያን ኤርትራን ዝተሓተ ውፅኢት ከምዝረኸቡ ኣጠቃሊልካ ምግላፅ ይካኣል።

ክልቲኤን ሃገራት ደጊም ኣብ‘ዚ ናይ ዴጉ ውድድራት ንዘርአየኦ ድኹም ውፅኢት ገምጊመን፣ናብ‘ቲ ንዓመታ ይፅበየን ዘሎ ውድድራት ኦሎምፒክ ብቁዕ ምድላው ናብ ዝገብራሉ ምዕራፍ እንተተገራ ዝሓሸ‘ዩ።

ኤርትራ ብዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ጉያ ራብዓይ ብምውፅኡ መበል 49 ተሰሪዓ‘ላ።ኣብ ማራቶን ዝተወዳደረ ባራኺ በየነ መበል 16 ኣትዩ‘ሎ።2 ሰዓትን 16 ደቃይቅን ዝወሰደሉ ጊዜ።ኣብ‘ዚ ውድድር‘ዚ ዝተዓወተ ኬንያዊ ኣቤል ኪሩይ ካብ ባራኺ ብ6 ደቂቃ ቀዲሙ ኣትዩ።

ኣብ ማራቶን ዝተወዳደሩ ኢትዮዽያውያን በዙ ወርቁ፣ገ/ሄር ገ/ማርያምን ጫላ ደቻሳን፣ካብ ኤርትራ ድማ ያሬድ ኣስመሮም፣ዮናስ ክፍሌን ሚካኤል ተስፋይን ነቲ ውድድር ኣቋሪፆም ወፂኦም።

ፈይሳ ለሊሳ ኣብ ሞንጎ 4 ኬንያውያን ተቀርቂሩ ሓያል ንሕንሕ ድሕሪ ምግባር ሳልሳይን ተሸላሚ ነሓስን ኮይኑ‘ሎ።ካልእ ኢትዮዽያ ዝረኸበቶ ርኡይ ዓወት ብኢብራሂም ጀይላን ኣብ 10 ሽሕ ሜዳልያ ወርቂ ምኻኑ ዝዝከር‘ዩ።

ኩዕሶ እግሪ፣ንናይ ንዓመታ ውድድራት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ምስ ጋንታ ማዳስካር ዝገጠመት ጋንታ ናይጀርያ ክልተ ንባዶ ስዒራ። እዚ ዓወት‘ዚ ካብ‘ቲ ምድብ ስዒራ ንምሕላፍ ምስ ጋንታ ጊኒ ወሳኒ ግጥም ክተካይድ‘ያ።ንምሕላፍ ግድን ክትስዕር ኣለዋ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ ጋንታ ጊኒ ንጋንታ ኢትዮዽያ፣ውፅኢቱ ኣይበፅሓናን‘ምበር ከምዝሳዓረት ተፈሊጡ‘ሎ።

ብካልእ ዜና ኩዕሶ እግሪ፣ግብፂ ኣብ ውሽጢ ነዊሕ ዘበናት ንፈለማ ጊዜ ዘይትስለፈሉ ግጥማት ፅዋዕ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ንዓመታ ክሳለጥ ምኻኑ ተፈሊጡ።ግብፂ ብሴራልዮን 2 ን 1 ስለዝተሳዓረት ናይ ምሕላፍ ዕድላ ዕፁው ኮይኑ‘ሎ።ተስፋ ዝቆረፀ ፌደረሽን ኩዕሶ እግሪ ግብፂ፣ነቶም ነባራት ተሰለፍቲ‘ታ ጋንታ ብሓደሽቲን መናእሰይን ተኪኡዎም‘ዩ።

ኢኳቶርያል ጊኒን ጋቦንን ብሓባር ንግጥማት ፅዋዕ ኣፍሪቃ ንዓመታ ከምዘተኣናግዳ ዝፍለጥ‘ዩ።

XS
SM
MD
LG