ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ኣጣዬ ብዘተፈጥረ ናይ ተዅሲ ምልውዋጥ ህይወት ሰብ ምጥፍኡ ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ሰሜን ሸዋ ብዝተፈጥረ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ህይወት ሰብ ምሕላፉን ብርክት ዝበሉ ካልኦት ምፍንቓሎምን ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሓቢሮም።

እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ዕጡቓት ፋኖን ምንባሩን ቁጽሩ ዘይተፈልጠ ሰብ ከም ዝተጎድአን ምምሕዳር ከተማ ኣጣዬ ኣፍሊጡ`ሎ።

ምስ ብሄረሰብ ኦሮሞ ኣብ ዘዳውባ ቀበሌታት ግጭት ንከይልዓል ምስ ናይ ፖለቲካ ኣመራርሓ፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ዘተ ምክያዱን እታ ከተማ ኣብ ተዛማዲ ሰላም ከም ዘላን ከንቲባ ከተማ ኣጣየ አሳልፍ ደርቤ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ`ሎ።

መንግስቲ፡ ጽንፈኛታት ኢሉ ዝጽውዖም ዕጡቓት ፋኖ፡ ህዝቢ ኣምሓራ ካብ ዘጋጠሞ ናይ ህልውና ስግኣት ንምድሓን ናብ ቃልሲ ዝኣተው ምዃኖም ይገልጹ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG