ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሕ/ሃ ዝተኣከቡ መራሕቲ ሃገራት ዓለም ሓድሕዳዊ ምትእምማን ጎዲልዋ'ሎ ኢሎም


ዲፕሎማት ባይቶ ጸጥታ ዓለም ኣብ ኣፈታትሓ ግጭታትን ቅልውላውን፡ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ጎዲልዋ`ሎ ኢሎም።

ተረኛ ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ዘላ ስዊዘርላንድ፡ ንሰላማዊ መጻኢ ክሕግዝ ይኽእል ዝበለቶ ሓሳብ ኣቕሪባ`ላ።

እቲ ዝቐረበ ሓሳብ ዘይክኣል`ኳ እንተዘይኮነ፡ ከቢድ ምዃኑ ይእመን።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዊዘርላንድ ኢግናዝዮ ካሲስ፡ ንሰላም መሰረታዊ ነገር ምትእምማን ምዃኑ ኣስሚርሉ።ንሱ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ካልእ ኲናት ከይድገም ዝተመስረተ ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ሎሚ ኣብ ኲናት ይነብር ኣሎ ኢሉ። ኣህጉራዊ ዲፕሎማሲ ኣብ ጭንቀት ከም ዝጸንሐን ነዛ ዓለምና ኣጋጢምዋ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ምፍታሕ ተጸጊሙ ከም ዘሎን ክንኣምን ይግባእ ዝበለ ኢግናዝዮ ካሲስ፡ እንተኾነ ብሓባር ንሰርሓሉ ዕድል ተጸንቂቑ ማለት ኣይኮነን፡ እኳ ድኣ እቲ ዝዓበየ ውድቀት ኣእዳውካ ኣጣሚርካ ኮፍ ምባል`ዩ ኢሉ።

እቲ ኣምባሳደር ስዊዘርላንድ ባይቶ ጸጥታ ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ምርግጋጽ ዘለዎ ሓላፍነት ኣብ ምፍጻምን ንዝተሰብረ ድልድላት ኣብ ምትዕርራይን ክሰርሕ ግድን`ዩ ኢሉ።

ኣምባሳደር ሩስያ ቫሲሊ ነብንዚያ ብወገኑ፡ ነቲ ድልድላት ኣብ ምህናጽ ዓቢይ ጸገም ኮይኑ ዘሎ፡ ኣብተን 15 ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ርኡይ ዝኾነ ምግምማዕን ዘይምትእምማንን ስለዘሎ`ዩ ክብል ኣሰሚዑ`ሎ። ቀንዲ ጠንቂ ድማ ሓደገኛ ዝኾነ ኣካይዳ መሓዙትና ዝነበራ ምዕራባውያን`ዩ ኢሉ።

ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት“ንዝሓለፈ 15-20 ዓመታት፡ነቲ ድሕሪ ዝሑል ኲናት ሃኒጽናዮ ዝነበርና ምትሕብባርን ሓባራዊ ምርድዳእን ቀስ ብቐስ ኣብ ምዕናዉ ተዓዊቶም`ዮም” ዝብል ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያን ክሲ ደርብዩ። ንሱ ንክሱ ክዝርዝር ከሎ፡ ኔቶ ንዘይምስፍሕፋሕ ዝብል ስምምዕ ብምፍራስ ኣብተን ቀደም ኣካል ሶቭየት ሕብረት ዝነበራ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ሰውራዊ ለውጢ ኣብ ምልዕዓል ተዋፊሮም`ዮም ኢሉ።

ኣምባሳደር ኣባል ኔቶ ዝኾነት ኣልባንያ ፈሪት ሆክሳ ብወገኑ፡ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብምውካስ ተራ ባይቶ ጸጥታ፡ ሰላምን ጸጥታን ምምራሕ`ምበር፡ ወራር እናተኻየደ ጅሆ ኮይኑ ክቕመጥ ኣይኮነን ክብል ግብረ-መልሲ ሂቡ።

ንሱ ብምስዓብ ኣብ ሱዳን፡ ኣብ ሊብያ፡ ኣብ ሃይቲን ካልኦትን ዝርኣይ ዘሎ ግጭትን ቅልውላውን ንከይዓርፍ ቀንዲ ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ ዘይምትእምማን`ዩ ኢሉ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንተንዮ ጉተረዝን ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን ንሩስያ ብምጥሓስ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ሉዓላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኩለን ሃገራት ክኽበር ኣለዎ ብዝብል ይኸስኣ`የን።

ኣምባሳደር ሩስያ ብወገኑ፡ ካብዚ ቅልውላው`ዚ ንምውጻእ ዝድለ እንተኾይኑ፡ ሓደ ዘላቕን ኣድማዕን ዝኾነ ጸጥታዊ መስርሕ ንምምጻእ ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና ኢሉ።

ምኽትል ኣምባሳደር ፈረንሳ ናታሊ ብሮዱርስት ድማ ከም ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ዝበለ ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ነቲ ሓይሊ ዘይምጥቃምን ክርክራት ብሰለማዊ ኣገባብ ምፍታሕን ዝብል ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዘኽበረ ኣይኮነን ኢላ።

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዛንግ ሁን ብወገኑ፡ “ዓለም ከቢድ ናይ ዘይምትእምማን ጸገም ኣጋጢምዋ ኣሎ” ድሕሪ ምባል፡ “ሓባራዊ ምትእምማንን ኣህጉራዊ ስርዓትን እንተዘይነጊሱ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ዳግም ናብ ሕጊ ጫካ ክምለስ`ዩ” ክብል ኣጠንቂቑ።ኣምባሳደር ቻይና ወሲኹ ንምዕራባውያን ብሽም ከይጸውዐ ድማ፡ ንሕግታት ዕዳጋ ብምምዝንባል፡ ዕብለላ ቴክኖሎጂ ምድላይ፡ ምጽቃጥ ምዕባለ ካልኦት ሃገራት፡ ከምኡ`ውን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት ሃገራት ጣልቃ ንምእታው ንሰብኣዊ መሰላት ከም ምስምስ ምጥቃም ዝብል ክስታት ደርብዩ።

XS
SM
MD
LG