ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ሴኔጋል ናብ ስፔን 300 ሰባት ጽዒነን ዝጉዓዛ ዝነብራ ሰለስተ ጀላቡ ጠፊኣን


ፋይል
ፋይል

ካብ ሰኔጋል ናብ ስፔን ኣስታት 300 ሰባት ጽዒነን ዝጉዓዛ ዝነበራ ሰለስተ ጀላቡ ኣበይ ከምዝኣተዋ ከምዘይተፈልጠ ሓደ ጉጅለ ግብረ-ሰናይ ስፔን ሎሚ ሰኑይ 10 ሓምለ 2023 ኣፍሊጡ።

እተን ክልተ ጀላቡ 100 ሰባት ሒዘን ካብ ከተማ ኤምቡር 23-ሰነ ከምዝተበገሳን እታ ሳልሰይቲ ኸኣ ኣስታት 200 ሰባት ሒዛ ካብ ደቡባዊት ከተማ ካፎንቲን ድሕሪ ኣርባዕት መዓልታት ከምዝተበገስት ኣተሓባባሪት ትካል ገባሪ ሰናይ ጉዕዞ ዶባት ሂለና ማሊኖ ጋርዞን ገሊፃ።

እቲ ኣገዳሲ ጉዳይ ነዞም ሰባት ምንዳይ’ዩ፡ ንዓኣቶም ንምንዳይ ተወሰኽቲ ነፈርቲ የድልያና ኣለዋ ክትብል’ውን ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢራ። እተን ጀላቡ ድሕሪ ምብጋሰን ዝኾነ ርክብ ከምዘይነበረ’ዉን ወሲኻ ገሊጻ'ላ።

ሰበ-ስልጣን ሰኔጋልን ስፔንን ብዛዕባ’ዚ ተሓቲቶም ብኡንብኡ ዝሃብዎ ምላሽ የለን።

ኣብዚ ብኣትላንቲክ ውቅያኖስ ኣቢሉ ዝግበር ጉዕዞ ስደተኛታት ሓደ ካብቲ ኣብ ዓለም ብዙሕ ሞት ዘጋጥመሉ መስመር’ዩ። ብመሰረት ሓበሬታ ትካል ገባሪ ሰናይ ስፔን ኣብዚ መስመር ኣብ መጀመርታ ፍርቂ’ዚ ዓመት ዳርጋ 800 ሰባት ሞይቶም ወይውን ሃለዋቶም ጠፊኡ’ዩ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ስደተኛታት ናብ ስፔን ንምእታው ናብ ደሴታት ካናሪ ዝውሕዙለን ኮይነን’ለዋ። ኣብ 2020 23-ሽሕ ኣብ መጀመርታ መንፈቅ’ዚ ዓመት ኸኣ 7-ሽሕ ናብተን ደሴታት ከምዝኣተዉ ሚኒስትሪ ውሽጢ ሃገር ስፔን ይገልጽ።

ኣሶሴይትድ ፕረስ ብዘካየዶ መፅናዕቲ ኣብ 2021 ካብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ደሴታት ካናሪ ዝተበገሳ ብዉሑዱ ሸውዓተ ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ብንፋስ ተደፊኤን ናብ ካርብያንን ብራዚልን ከምዝተወስዳ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG