ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጥረ ግጭት 183 ሰባት ምሟቶም ይገልጽ


ወሃቢ ቃል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ
ወሃቢ ቃል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዝረኣይ ዘሎ ቅትለት፣ ህውከትን ግህሰት መሰላትን ደው ንክብል መጸዋዕታ ዘቕረበ ሕቡራት ሃገራት ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ጥራሕ 183 ሰባት ከምዝሞቱ ሓቢሩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተወለዐ ግጭት፣ ተዋጋእቲ’ቲ ክልል ዝተሳተፉሉ ኣዕናዊ ውግእ ክልል ትግራይ ድሕሪ ምብቅዑ'ዩ።

ወሃቢ ቃል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ማርታ ሁርታዶ "ብሰንኪ’ቲ ኣብ ገለ ክልላት ኢትዮጵያ፣ የንቆልቁል ዘሎ ኩነተ ሰብኣዊ መሰላት ኣዚና ተሻቒልና ኣለና"ከምዝበለት’ውን ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ምልሻታት ፋኖን ዝተወልዓ ግጭት ስዒቡ ድሕሪ ኣብ 4 ነሓሰ 2023 ዝሓለፈ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ፣ ኩነታት ኣዝዮም ከምዘንቆልቆሉ ጠቂሱ።

ሕ/ሃ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ጅምላዊ ማእሰርቲ ደው ከብሉ፣ መግሃስቲ መሰላት ክጻረዩን ብሃውሪ ዝተኣሰሩን ንክፈትሑን ጸዊዑ ኣሎ ።

ወሃቢ ቃል ሳራ ሁርታዶ ወሲኻ ኩሎም ተዋሳእቲ፣ ቅትለት፣ ግጭትን ግፍዒን ደው ከብሉ ጸዊዓ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG